መምርሒ መተግበሪ ሓፈሻዊ ዓውዲ ትምህቲ ብርሕቐት ካብ ሓምሻይ ክሳብ 12 ክፍሊ ይሰናዳእ ከምዘሎ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  10/03/2012)መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ርሕቐት ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት እናተተግበረ ዝፀንሐ ሙሉእ ብዝኾነ ብብርኪ ሃገር ንምትግባርን ፅሬት ትምህርቲ ንምክትታልን ብዝጥዕም መልክዑ ካብ 5 ክሳብ 12 ክፍሊ መምርሒ መተግበሪ ሓፈሻዊ ዓውዲ ትምህርቲ ርሕቐት ምድላዉ ዳይሬክቶሬት ባፅሕን ዘይስሩዕ ትምህርቲን እቲ ሚኒሲተር ኣፍሊጡ።

               እቲ ዝሰናዳእ ዘሎ መምርሒ፣ ብዛዕባ ረብሓ ትምህርቲ ርሕቐት፣ ምድላው ሞጁል፣ ኣወዳድባ ማእኸላት መውሃቢ መጠናኸሪ ትምህርቲን ኣወሃህባ ትምህርቲን፣ ስርዓት መመዘኒ፣ ምዝገባ ተምሃሮን ኣተሓሕዛ ሪከርድን፣ ተግባርን ሓላፍነትን መዳርግቲ ኣካላትን ከምኡ እውን ኣወሃህባን ስረዛን ፍቓድ ትካላት ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

በቲ እናተሰናደአ ዝርከብ ረቂቕ መምርሒ መተግበሪ ትምህርቲ ካብ ኩለን ክልላት ምስ ዝመፅኡ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ዘተ እናተገበረሉ ምዃኑ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ መምርሒ ምስ ፀደቐ ድማ ኣብ ተግባር ዝውዕል ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of