ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንኩሉም ቋንቋታት ብማዕረ ዘተኣናገደ እዮ ኢሎም ምክትል ኣቦ መንበር ውድብ ፌዴራላዊ ኮንግረንስ ኦሮሞ(ኦፌኮ) ኣይተ በቀለ ገርባ ።

(ኤፍኤምመቐለ  18/11/2011)እቶም ምክትል ኣቦወንበር ዮኒቨርስቲ መቐለ ዝተፈላለዩ ምሁራን ብምዕዳም ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ዕብየት ቋንቋ ዘድሃበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ እንተኮን “ኣብዛ ሃገር ዘለው ብሄራት ናይ ባዕሎም ቋንቋ ኣኽቢሮም ናይ ካልኦት ብሄራት ቋንቋ ክመሃሩን ክፈልጡን ይግባእ” ኢሎም።

ሕገመንግስቲ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ድማ ንኩሎም ቋንቋታት ብማዕረ ዘተኣናገደ እዩ ኢሎም።

ኣብ ህልዊ ኩነታት እዛ ሃገር ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበ ሕቶ እንትምልሱ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ዘለው ጎንፅታት ባህሪያዊ ከምዝኾኑ ብምግላፅ መንግስቲ ሕዚ’ውን ሕቶ ህዝቢ ኣይምልስን ዘሎ ኢሎም።

ምስ ምቕፃል ስርዓት ፌዴራሊዝም ተኣሳሲሩ ንዝተልዓለ ሕቶ ድማ፣ እቲ ስርዓት ነታ ሃገር ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ ዓመት 2012 ዝካየድ ሃገራዊን ክልላዊን መረፃ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ምንዋሕ መረፃ ኢ-ሕገመንግስታዊ እዮ እውን ኢሎም።

ኣብ ክልል ደቡብ ዝለዓል ዘሎ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ፥ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ ይቕድም ዝበሉ ኣይተ በቀለ ገርባ ሕቶ ህዝቢ ከይመለስካ ምጭፍላቕ ኣግባብ የብሉን ምባሎም ኤፍ ቢ ሲ ፀብፂቡ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments