ሕገ መንግስቲ ሃገርና ንምኽባር ድልዋት ምዃኖም ኣካላት እዚ ሰሜን ገሊፆም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 25/10/2011)ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ብምሕላው ወታደራዊ ግዴታኦም ከምዝዋፅኡ ኣባላት ሓፈሻዊ መምርሒ እዚ ሰሜን ምክልኻል ሃገር ዝገለፁ እንትኾኑ፣ ሰራዊት ምክልኻል ብብሄር ከፋፊልካ ሃገር ንምህዋኽ ዝተሓሰበ ውዲት ከምዘይተዓወተ እውን ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ሓድነቱ ሓልዩን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣኽቢሩን ሃገራዊ ልኡኽ ንምፍፃምን ሎሚ እውን እንተኾነ ድልዋት ኢና ዝበሉ እቶም ኣባላት እቲ መምርሒ ፣ሎሚ ቕነ ጄነራላትና መስዋእቲ ዝኾኑሉ ዕላማ ብምርዳእ ሃገርና ናብ ዝሓሸ ብርኪ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ንምብፃሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of