ሕብረት ኣፍሪካ ንሱዳን ካብ ኣባልነት ኣጊዱ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 29/09/2011)እቲ እገዳ ወታደራዊ ባይቶ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ብዙሓት ድሕሪ ምቕታሉ ዝሰዓበ እዩ፡፡

ክፍሊ ፀጥታን ሰላምን እቲ ሕብረት ኣብ ትዊተር ገፁ ኣብ ዘውፆ ፅሑፍ ሱዳን ስቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ተጣይሽ ካብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ እቲ ሕብረት ተኣጊዳ ከምትፀንሕ የመላኽት፡፡

እቲ ውሳነ ድሕሪ ሞት 108 ከምኡ እውን ጉድኣት 500 ዜጋ ሱዳን ብዝተገበረ ህፁፅ ኣኼባ ዝተመሓላለፈ እዩ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of