ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዋጋ ሃለኽቲ ምግቢ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ሃገርና ብ22.7% ንሂሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  30/04/2012) ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዋጋ ሃለኽቲ ምግቢ ወርሒ ታሕሳስ 2012ዓ.ም ሃገርና ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር ከሎ ብ22.7% ወሰኽ ከምዘርኣየ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታትስቲክስ ሃገርና ኣፍሊጡ፡፡

       ንቲ ኤጀንሲ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ሕታሙ ከምዝሓበሮ ኣብ ሃለኽቲ ምግቢ ኮሚደረ ፣ ቀይሕን ፃዕዳን ሽጉርቲ ካዉሎ፣ ካሮት፣ ጠስሚ፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ፀባ ፣ እንቆቑሖነን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር ከሎ  ዋጋ ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዋጋ ከምዝናሃረ ግልፂ ገይሩ፡፡ 

        ዋጋ ዝቕባበ ዋጋ ካብ ሃለኽቲ ምግብታት ወፃእ’ዉን እንተኾነ ልዑል ወሰኽ ከምዘርኣየ ዝሓበረ ጋዜጣ ሪፖርተር ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዋጋ ክዳን ሳእንን ካልኦት ተዛመድቲን 19.5% ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡


0