ሓድሽ ፕረዝድንት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፍሌክስ ሺሴኪዲ ኣስታት 700 ዝበሉ እሱራት ፈቲሖም፡፡

ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ሺሴኪዲ ካብ ዝፈትሕዎም እሱራት፤ መራሕቲ ሰለስተ ውድባት ተቓውሞ ይርከብዎም፡፡

እቶም ተኣሲሮም ዝፀንሑ ሰለስተ ኣመራርሓ ውድባት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ብዘስምዕዎ ተቓውሞ እዮም ን5 ዓመት እስራት ተፈሪድዎም ፀኒሑ፡፡

ውሳነ እቶም ሓድሽ ፕረዝድንት ንዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዲሞክራሲ ከሰጋግር ትፅቢት ተጌርሉ ኣሎ፡፡

ፕረዝንደት ፍሌክሺ ሺሴኪዲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንጆሴፍ ካቢላ ብምስዓር ኣብ ታሪክ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ተኻይዱ እዩ ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of