ሓድሽ ዝረቐቐ ኣዋጅ ጠቐነን መረዳእታ ሓሶትን ፀዲቑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  06/06/2012)ቤት ምኽሪ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንጠቐነን መረዳእታ ሓሶትን ንምቁፅፃር  የኽእለኒ እዩ ንዝበሎ ሓድሽ ዝረቐቐ ኣዋጅ ኣፅዲቑ፡፡

 እዚ ሓድሽ ዝረቐቐን ብኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፀደቐን ኣዋጅ ጠቐነን መረዳእታ ሓሶትን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ንድሓር ቡዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሐሸ ናይ ምዝራብ ዕድል ኽፍጠር ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ምዃኑ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝኸፍአ ሽግር ከስዕብ ከምዝኽእል እምንቶ ቡዙሓት ምዃኑ ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡  

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣተኩሮ ተዋሂብዎም ካብ ሞንጎ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ስራሕቲ እቲ ዝዓበየ ምምሕያሽ ሕግን ፍትሕን እኳ እንተኾነ እቲ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕ ምምሕያሽ ሕግን ፍትሕን ግን በቲ ዝሐሸን ዝተለመደን መንገዲ ንምኻድ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምዃኑ ቢቢሲ ካብ ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ንዘዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ፀብፂቡ፡፡

እዚ ትማሊ ዝፀደቐ ሓድሽ ኣዋጅ ጠቐነን መረዳእታ ሓሶትን ኣዝዩ ኣከራኻሪ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ቢቢሲ ወሲኹ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ መዳይ ተደሪኾም ርኢትኦም ንቢቢሲ ዝገለፁ ድማ እዚ ኣዋጅ ናይ ምንቃፍን ምዝራብን መሰል ዓፊንካ ንምግዛእ ዝጥዕም’ዩ መንግስቲ ክሳብ ክንድዚ  ንጠቐነን መረዳእታ ሓሶትን ዝሕሰሞ እንተኾይኑ ስለምንታይ ባዕሉ ካብዚ መስርሕ እዚ ዘይእደብ ክብሉ ርኢቶኦም ገሊፆም፡፡


0