ሓድሽ መመሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ (ኤክሳይዝ ታክስ) ንኣፍረይቲ ሉስሉስ መስተን ዑሹግ ማይን ኣቖጢዑ ፡፡

    (ኤፍኤምመቐለ  09/04/2012  ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝፀደቐን ናብ ቤት ምኽሪ ዝተመርሐን ሓድሽ መመሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ተወሳኺ ግብሪ (ኤክሳይዝ ታክስ)  ንኣፍረይቲ ሉስሉስ መስተን ዑሹግ ማይን  ኣቖጢዑ ፡፡

            እዚም ኣብ ትሕቲ ማሕበር ኢንዳስትሪ ዑሹግ ማይን ሉስሉስ መስተን ዝተወደቡ ሰብ ሃፍቲ ብኣመሓዳሪ ማሕበሮም ኣይተ ኣሸናፊ መርእድ ኣቢሎም ንሪፖርተር ጋዜጣ ከምዝገለፅዎ ዑሹግ ማይን ሉስሉስ መስተን ኣካል ምግቢ ስለዝቑፀር ኣብ ልዕሌና ተወሳኺ ክፍሊት ግብሪ (ኤክሳይዝ ታክስ)  ኽቕመጥ ኣይግባእን ክብሉ ንቲ ሓድሽ ወሰኽ ነፂጎሞ፡፡

             ስምዕተኦም ንተወከልቲ ቤት ምኽሪ ፣ቀዋሚ ጉዳይ  እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሸናፊ መርእድ እዚ ሓድሽ ረቂቕ ኣዋጅ ብበዓል መዚ ቁፅፅርን ምሕደራ መድሓኒትን ንዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 661/2002 “ንማይ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ዘይቲ ብልዒ ግብሪ ኣይቕመጥን” ንዝብል ድንጋገ ቃልዕ ጥሕሰት ሕጊ ዝፈፀመ’ዩ ኢሎም ፡፡

            እዚ ረቂቕ ኣዋጅ እዚ ኣብ ግብሪ እንተዉዒሉ  ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዑሹግ ዝስተ ማይ ኤክሳይዝ ታክስ ዘንበረት ብሕታዊት ሃገር ከምዝገብራ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሸናፊ  እዚ ኣብ ሃገራት ደቡብ አፍሪካ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛኒያ፣ አሜሪካ፣ ታይላንድን ካልኦት ሃገራትን ኤክሳይዝ ታክስ ምኽፋል ነዉሪ ኣብ ዝብላሉ ኢትዮጵያ ንማይ ኣብ መጋየፂ ንዚ ንምትግባር ምንቅስቓሳ ኣገራሚ ጥራይ ዘይኮነስ መሕፈሪ እዩ ክብሉ ግልፂ ገይሮም፡፡

             ኣብዚ ሐዚ እዋን ሉስሉስ መስተ ብምፍራይ ዝፍለጥ ኩባንያ ኢስት አፍሪካ ቦትሊንግ ኣብ ከባቢ ሰበታ ብኣስታት 300 ዶላር ንምስፋሕ ዝወሰዶ መሬት ከምዘሎን እንተኾነ ግን በዚ መንግሲቲ ኢትዮጵያ ኣርቂቕዎ ዘሎ ሓድሽ ኣዋጅ ክፍሊት ተወሳኺ ግብሪ (ኤክሳይዝ ታክስ)  ስለዘየዋፅእ ዉጥን እቲ ትካል ኸቋርፆ ከምዝኽእል ኣቶ ኣሸናፊ ኣጠንቂቖም ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments