ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማልያ (ኣሚሶም) ኣበታ ሃገር ነዘወፈሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ሂቡ።

(ኤፍኤምመቐለ  28/12/2011)  እቶም ኣባላት ኣብ ዝተዋፈርሉ ከባቢ ንዝነበሮም ተበግሶ፣ ንዝኸፈልዎ መስዋእቲን ሙያዊ ተጋድሎን ዝተወሃበ ኣፍልጦ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።
ቤልደዋይን ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣሚሶም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣሚሶም ሌተናል ጀኔራል ጥጋቡ ይልማ፥ እቲ ሰራዊት ኣብ ሶማሊያ ከባበታት ማሃስ፣ ሃልጋን ካልኦት ዝተወፈረሎም ከባቢታትን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ራዐዳወያን ከምዘሃደሙ ተዛሪቦም።
እቲ ከባቢ ሓራ ብምውፅኡ ሰራዊት ሶማሊያ ክርከቦ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of