ሓበራዊ ተጠቃምነት ንግዲ ኢትዮ ኤርትራ ንምርግጋፅ ስምምዕ ይግበር ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/11/2011)ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ልውውጥ ንግዲ ክልቲኤን ሃገራት ሕጋዊ ምግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ሰላማዊ ርክብን ኢኮኖምያዊ ተጠቃምነትን ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡

ሚኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካል ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኣብ ጉዳይ ኢኮኖሚን ዲፕሎማስን ካብቲ ዝተተሓዘ ትልሚ ንላዕሊ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ካብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብሽርክና ንክሰርሑ እውን 67 ምትእስሳር ንግዲ ከምዝተፈጠረ እውን ሓቢሮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments