ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ሞንጎ ሃገራት እስራኤልን ፍልስጤምን ንዘሎ ዉጥጥ ዝህድእን ዝፈትሕን ዝበለቶ ሓድሽ እማመ ሰላም ከምዘቕረበት ተሓቢሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  20/05/2012) ተሓቢሩ፡፡እቲ እማመ ሰላም ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክወሃባ ዘኽእል ኮይኑ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ዝርከብ ግዝኣታት ድማ ኣብ ዘለዎ ክረግእ ብፍላይ ድማ እየሩሳሌም ብምልእታ ከይተሸራረፈት ርእሰ ከተማ እስራኤል ኮይና ክትቅፅል ዝምእዝዝ ነጥቢ ከምዝርከቦ ተገሊፁ።ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ናይ ሰላም ሓሳብ ዕላዊ ዝገበረ ፕረዚደንት ሃገረ ሑበራት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ብሃገሩ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ሰላም ንፍልስጥኤማውያን ናይ መወዳእታ ዕድል ከምዝኾነ ሓቢሩ።ፕረዚደንት ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስ ብወገኖም ብቐጥታ ፈነወ ተሌቪዥን ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ እማመ ሰላም ተባሂሉ ብፕረዚደንት ሑቡራት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቐርብ ዘሎ  ‘ሽርሒ’ እዩ ብምባል ድሕሪ ምንፃጎም “ንትራምፕን ንኔታንያሁን ክብሎም ዝደልዮ ነገር እንተሃለወ  እየሩሳሌም ንመሸጣ ኣይትቐርብን። መሰልና ንመሸጣ ኣሕሊፍና ኣይንህብን። እንላዘቦ ነገር’ውን ኣይህሉን” ዝብል ምላሽ ምሃቦም ቢቢሲ ፀብፂቡ።


0