ልዕልነት ሕጊ ንምስፋን ዓቕሚ ፈፀምቲ ኣካላት ምዕባይ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 25/10/2011)ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ዓቕሚ ፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ምዕባይ ኣጠንኪሩ ክሰርሕ እዩ ኢሎም፡፡

እዚ ዝበልሉ ናይ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ስራሕ ኣፈፃፅማ ሪፖርት ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረብሉ እንትኸውን ንስእነት ሰላም ሃገርና መንቀሊ ዝኾኑ ኣመራርሓን ውልቀ ሰባትን ተጠየቕቲ እናተገበሩ እዮም ንዙይ እውን 48 ሰባት ብግብረ ራዕዲ ዝተጠርጠሩ 799 ኣመራርሓን ኣካላት ፀጥታን ከምኡ ድማ 34 ሰራሕተኛታት ባንክ ኢትዮጵያን ቴሌኮምን ብሕጊ ክሕተቱ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡

ንቀፃሊ መንግስቲ ናይ ዜጋታ ሰላምን ድሕንነትን ዝርኣዩ ዘለው ምፍንቃላት ንምዕጋት ከምዝሰርሕ ዝጠቆሙ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ዓቕሚ ሕጊ ንምጥንኻር ናፃ ብቑዕን ገለልተኛን ትካላት ንምህናፅ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of