ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ብፌደራል ፖሊስ ክሕለዋ እየን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  01/04/2012   ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ብሓለዋ ፌደራል ፖሊስ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃረን ከሰላስላ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ወሲኑ ፡፡

        ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ደቻሳ ጉርሙ ከምዝሓበርዎ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፌደራል ፖሊስ ክኸዉን ዝተወሰነሉ መኽንያት ኣብተን ትካላት ትምህርቲ ንዘጋጥሙ ዘለዉ ጎንፅታትን ምቑጣፍ ሂወት ተምሃሮን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝዓለመ’ዩ ኢሎም፡፡ 

        ብዘይካ እዚ ኣብ ነፍስወከፍ እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንተርእዮ ጎንፅታትን ቅትለትን ዝያዳ ንምቁፅፃር  ስዉር ካሜራታት ከምዝትከል ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር እዚ ምትእትታዉ ቴክኖሎጂ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ እተን ትካላት ኣንፀላልዩ ንዘሎ ስግኣት ከምዝቐርፍ ሓቢሮም

         ሕዳር 27-2012 ዓም ኣብ ኣብ ዩንቨርስቲ ወልድያ ተምሃራይ 3ይ ዓመት  ሕዳር 28-2012 ዓም ድማ ኣብ ዩንቨርስቲ ጎንደር ተምሃራይ 2ይ ዓመት ከምዝተቐተሉ ዝገለፁ ኣቶ ደቻሳ ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ኣብ ስራሕቲ ምፅራይ ከምዝርከብ ወሲኾም ሓቢሮም ክብል ዶቼቬሌ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of