ላዕለዎት ሓለፍቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፤ምሁራን ትግራይ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ መበገሲ ገይሮም ብሳይንሳዊ

ኣገባብ ኣብ ዘፅንዕዎ ሓዱሽ ኣወዳድባ ሕቶ ምስ ዘልዐሉ ዝተፈላለዩ ኣባላት ባይቶ ጣብያታት ዘተ ከም ዝተኻየደ ክትል ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሱ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሓዱሽ ካሱ ከም ዝበልዎ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ትግራይ ፤ኣብ ዞባታት ማእኸልን ምብራቕን ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ሕቶ ዘልዓላ ጣብያታት 21ን 23 ጥቅምቲ 2012 ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕቶ ዘልዓላ 11 ጣብያታት ወረዳ ኣላጀ ኣብ ዙርያ እቲ ብምሁራት ዝተፀንዐ ሓዱሽ ኣወዳድባ ብዝርዝር ዘትዮም እዮም ይብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡፡


0