ላዕለዋይ ኢራናዊ ጀነራል ብኣመሪካ ተቐቲሉ፡፡ ኢራን ብወገና ሕነ ንምፍዳይ ተሓንያ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  24/04/2012)መንግስቲ ኣመሪካ ኵድስ እናተብሃለ ንዝፅዋዕ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ብላዕላዋይነት ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ።

            እዚ ኣብ ዒራቕ ዝተቐትለ ጀነራል አብ ኢራን ዓብይ ፅልዋ ዝነበሮ ወሳኒ ሰብ ከምዝነበረን ካብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዝተውሃበ ትእዛዝ ከምዝተቐትለ ኣመሪካ ተኣሚና’ላ።ኣያቶላህ ዓሊ ካማኒ ኢራን ነዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ሕነ ከምእትፈዲ ገሊጹ።

            እቲ ጀነራል ብኢራን ምስ ዝድገፉ ዕጡቓት ኮይኑ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ብመኪና እናተጉዓዘ እንከሎ ብመጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተቐተለን  እቲ  ጀነራል ኣብ መንግስቲ ኢራን ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ፤ ከም ሃገራዊ ጅግና ዝረኣይን ንሱ ዝመርሖም ፍሉያት ሓይልታት ኵድስ ተፀዋዕነቶም ብቐጥታ ንኣያቶላሕ ዓሊ ካማኒ ከምዝነበረን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ወሳኒ ሰብ ምንባሮምን  ቢቢሲ ገሊፁ ።

            ኣያቶላህ ዓሊ ካማኒ ኢራን ነዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀመትን ዝተኣመነትን ኣመሪካ  ሕነ ከምእትፈዲ ተሓንዮም ኣለዉ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ብወገኖም ነቲ ብኣመሪካ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ “ሓደገኛን ዕሽነት ዝተመልኦን” ክብሉ ብትሪ ነቒፎምዎ።

እዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዝነበረ  ምትፍናን ኣዝዩ ከየበርኾ ተሰጊኡ ከምዘሎ ዝገለፀ ቢቢሲ  እቲ ዜና ምስተነገረ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስሊ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብ ትዊተሮም ሽዑ ንሽዑ ከምዝጠቅዑ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

      ኢራን ሃገራዊ ሓዘን ሰለስተ መዓልቲ ከምዝኣወጀትን ኣብ ዛዕባ ቅትለት ጀነራል ሱሌማኒ ላዕለዎት መራሕቲ ፀጥታ እታ ሃገር ሎሚ ከምዝእከቡ ተገሊፁ።

ዝተፈላለያ ሚድያታት እታ ሃገር ድማ ንሑሉፍ ዛንታ ወተሃደራዊ ሱታፊኡ ብምዝንታዉ ንሑሉፍ ጅግንነቱ ጅግና ይዝክረኦ ከምዘለዋ ተገሊፁ’ሎ።


1+