ሊብያ 62 ዘይሕጋውን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰት ኣፍሊጣ።

(ኤፍኤምመቐለ  10/03/2012)መምርሒ ቁፅፅር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ሊብያ ጨንፈር ቤንጋዚ ትማሊ ከምዘፍለጦ እቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተገበሩ 62 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዜጋታት ቻድን ሱዳንን እዮም፡፡

ዓለምለኸ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ 6 ሽሕ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 650 ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዘለው ኣመልኪቱ እዩ፡፡

ካብቶም ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝበዝሑ ኣፍሪካውያን ኮይኖም ብባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ንምስጋር እንትፍትኑ ካብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ንነዘ ዝተትሓዙ እዮም፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of