ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንዓለምና ኣዝዩ ፈታንን ከቢድ ስግኣትን ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/05/2012)ኮሮና ቫይረስ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዓለም ለኻዊ ሓደጋ ጥዕና ደቂሰባት ከምዝኾነ ብምጥቃስ ናብ ዝተሓተ ቁጠባዊ ዓቕሚ ናብ ዘለወን ሃገራት ከየስፋሕፍሕ ዉድብ ጥና ዓለም ሻቕሎቱ ገሊፁ።ጀነራል ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንዝሃብዎ መግለፂ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኮሮና ቫይረስ ንሃገረ ቻይና ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብህፁፅ ይላበድ ብምህላዉ  ብደረጃ ዓለምና ሓደጋ ጥዕና ደቂሰባት ስለዝኾነ ኣንፃር እዚ ተላባዲ ሕማም  ኩለን ሃገራት ዓለም ክለዓላ  ኣዊጁ ። “ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣዋጅ እቲ ኣብ ቻይና ኣጋጢሙ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ካልኦት ሃገራት ብህፁፅ ዝዛመት ዘሎ ቫይረስ እዩ ዝበለ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እዚ ቫይረስ ናብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ናብ ዘለወን ሃገራት ተተዛሚቱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክበፅሕ ዝኽእል ሃስያ ከቢድ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ፡፡ዛጊድ በቲ ቫይረስ፡ ኣብ ቻይና ጥራሕ 213 ሰባት አንትሞቱ ኣስታት 10 ሽሕ ረኽሲታት እቲ ቫይረስ ተመዝጊቦም ከምዘለዉን ኣብ ካልኦት 18 ሃገራት 98 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለን ዝሓበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ናብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ገይሾም ዝነበሩ ምዃኖም ብምጥቃስ ኣብ ሃገራት ጀርመን ፣ ጃፓን ፣ ቬትናምን ሑቡራት ኣመሪካን ግና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተመሓላለፉ ሸሞንተ ረኽሲታት ተመዝጊቦም ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡ንዚ ቀዛፍን ኣሻቓልን ተላባዲ ቫይረስ ዝተዉሃቦ ኣተኩሮን ግብረ መልስን ዘይልሙድን ኣዝዩ ዉሑድን ምዃኑ ብምሕባር መንግስቲ ቻይና ንዘካይድዎ ዘለዉ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡ብሰንኪ እዚ ተላባዲ ቫይረስ ዛጊድ ምስ ቻይና ዘራኸበን ዶብ ዝዓፀዋን ናብታ ሃገር ዝካየዱ በረራታት ደው ዘበላን ሃገራት ከምዘለዋን  ከም ጉግል ፣ ኢክያ ፣ ስታር ባክስን ተስላን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ኣብ ቻይና ግልጋሎት ምሃብ ደው ከምዘበሉ ተገሊፁ’ሎ።


0