ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ታሪኹ ፈላማይ ዝኾነ ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ፀዊዑ ።

(ኤፍኤምመቐለ  24/04/2012) ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ጉዳይ ውህደት ብልፅግና ፓርቲ ዘለዎ መርገፅ ነፂሩ ንምዉፃእን ካልኦት እዋናዊ ኣንፈት ፖለቲካ ሃገርና ዘትዩ ንምዉሳንን ዘኽእሎ ኣብ ታሪኹ ፈላማይ ዝኾነ ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ፀዊዑ፡፡  

                 እቲ ጉባኤ ቀዳምን ሰንበትን ( 25 26 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ) ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝካየድ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣብ ዘዉፀኦ ፕሮግራም ከምዝገለፀን እቲ ጉባኤ ብሉዑል ድምቀት ንምስላጥ ቅድመ ምድላዉ ከምዝተወገነን ወሲኹ ኣረዲኡ፡፡


0