ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ንካልኣይ መዓልቲ ክካየድ ውዒሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 21/09/2011)መራሕቲ ህዝባዊ ተቃውሞ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወታደራዊ ባይቶ ስግግር ብሲቪል ምምሕዳር ክትካእ ዝግበር ዝነበረ ድርድር ምፍሻሉ ስዒቡ ሰሉስን ሮቡዕን ሰልፊ ዘካተተ መዓልቲ እምቢታ ስራሕ ኾይኑ ክሓልፍ ምፅውዖም ይዝከር፡፡

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ብሰሉስ ኣብታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ከካይዱ ዝወዓሉ ኾይኖም ኣብ መጓዓዝያን ባንክን እታ ሃገር ፅዕንቶ ከምዝነበሮ ተገሊፁ፡፡

መራሒ እቲ ወታደራዊ ባይቶ ስግግር ኣብ ሃገራት ኢማሬት ዓረብ፣ ግብፅን ኢትዮጵን ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለው እዋን እቲ ተቓውሞ ንካልኣይ መዓልቲ ከምዝቐፀለ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of