ህዝቢ ዓለም ንምክልኻልን ንምግታእን ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሓደ ህርመት ደዉ ኣብ ዝበለሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ሓይሉ ከምዘሎ ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡

 ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከምዝገለፅዎ ህዝቢ ዓለም ንምክልኻልን ንምግታእን ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሓደ ህርመት ደዉ ኣብ ዝበለሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብን ናብን ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ተደሪቱ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ ገዛ  “ዘሰንብድ በዝኺ ፆታዊ ጥቕዓት ተመዝጊቡ ከምዘሎን ዓመፅ ይካየደለን ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ መንግስታት ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ።

 ንሕና ዓለምና ረኺባቶ ንዘላ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻለክን ንምግታእን ኣብ መላእ ዓለም ኽካየዱ ዝፀንሑ ዉግኣት ደዉ ክብሉ ኣብ ዝፀውዓሉ እዋን መልክዕ ዉግእ ብምቕያር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሰክፍ ዉግእ ዓመፅ ምዉላዕ ጉቡእ ኣይኮነን ዝበሉ         ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ “ዉግእ ዝበሃል ናይ ግድን ብሻምብቆ ብረት ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ የሕዋትና ዝፍኖ ኣገዲድካ ምድፋር’ዉን  ኣካል እቲ ዝኸፍአ ውግእ’ዩ፡፡ ንሕና ዉግእ ደዉ ይበል ዝበልና ኽኣ ንሑሉ ዓይነታት ዉግእ’ዩ” ኢሎም፡፡ 

“ኣብ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ሓዳር ዝፈተናን ዘይፈተናን ኣዋልድን ኣብ ጉዳይ ድሕንነተን ውሑስ ክኾነሉ ኣብ ዝግባእ ገዝአን ኣብ ክንዲ ቅሳነት ስግኣተን ወሲኹ’ሎ፡፡ ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምግታእን ዓሊሙ ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ክድረት ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ብስልኪ ዝቐርቡ ዘለዉ ጥርዓናት ዘቤታዊ ጥቕዓት ሓይሉ ከምዘሎን ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ዝቐረበ ጥርዓን ክነፃፀር ከሎ ኣብ ቻይና ብሰለስተ ዕፅፊ ኣብ ሃገራት ሊባኖስን ማሌዥያን ድማ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ግልፂ ገይሮም።

ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ድማ ካብ ዘቤታዊ ጥቕዓት ንምንጋፍን ሓገዝ ንምርካብ ብመንገዲ ጎግል ዝግበር ኣለሻ [‘ሰርች’] ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝለዓለ መጠን ቁፅሪ ብምሓዝ ሎሚ ወሲኹ’ሎ ዝበሉ ኣንተንዮ ጉተረዝ ኩለን ማዕከናት ዜና ሙሉእ ኣቓልቦአን ኣብ ምግታእ ቫይረስ ኮሮና ስለዝገበራ ስቓይ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ሰማዒ ክረክብ ኣይከኣለን ክብሉ ገሊፆም፡፡


0