ህዝቢ ወላይታ በዓሉ ክልል ምዃኑ ከምዝእዉጅ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  11/04/2012ህዝቢ ወላይታ ክልል ንምዃን ዘቕረቦ ሕገመንግስታዊ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ከይሃቦ ትማሊ ሓደ ዓመት ስለዝመልኦ  በዓሉ ክልል ምዃኑ ከምዝእዉጅ ኣፍሊጡ፡፡

           ንተወለድቲ ህዝቢ ወላይታ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ህዝቢ ወላይታ ክልል ንምዃን ዘቕረቦ ሕቶ ትማሊ ሓደ ዓመት ስለዝመልኦ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ድማ ንሕትኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መልሲ እንተዘይረኺቡ በዓሉ ክውስን መሰለ ከምዘለዎ ስለዝድንግግ ክልል ምዃኑ ከምዝእዉጅ ሓቢሮም።

          ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ ኣይተ ኣንዷለም ታደሰ ብወገኖም ከምዝሓበርዎ  ቅድሚ ሓደ ዓመት ህዝቢ ወላይታ  ካብ ጣብያ ክሳብ ወረዳን ዞባን ዘለዉ ኣካላት ምስ ሕብረተሰብ ዘተ ብምግባር ዝወሰንዎ ውሳነ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ናብ ክልል ከምዘቕረበን እንተኾነ ግን ባይቶ’ቲ ክልል ኣብዚ ጉዳይ ክዝትይ ስለዘይከኣለን ጉቡእ ምላሽ ስለዘይሃበሉን ንሕገመንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ክልል ምዃኑ ብምእማን ምስ ክልል ደቡብን ባይቶን ዝነበሮ ርክብ ትማሊ ከምዘቋረፀ ገሊፆም፡፡

          መስራትን መራሕን ምንቅስቓስ መናእሰይ ወላይታ- “ላጋ” – መምህር ኣሸናፊ ከበደ ብወገኑ፡ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ውሳነ ወላይታ ዝካየደሉ መዓልቲ ክሳብ ትማሊ ወግዓዊ ክገብር ስለዘይከኣለ ህዝቢ ወላይታ ሉኣላዊ ስልጣኑ ከምዝጥቀም ኣረዲኦም።

              መንግስቲ ክልል ደቡብ ምስ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ብዝርራብ ክሳብ 10 ታሕሳስ እቲ ህዝበ ውሳነ ዝካየደሉ መዓልቲ ብምውሳን ንሕቶና መልሲ ክወሃበና ኢና ክንፅበ ፀኒሕና እዚ ብዘይ ምዃኑ ግን ክልል ደቡብ ንህዝቢ ወላይታ ክመርሕን ከመሓድርን ኣይኽእልን” ክብሉ ኣይተ ኣሸናፊ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

             ካብ ሐዚ ንደሓር ባይቶ ደቡብ ክልል ምስ ህዝቢ ወላይታ ዝነበሮ ምምሕዳራዊ ርክባት ተቛሪፁ ርክብና ምስ ማእከላይ መንግስቲ’ዩ ክኸውን ። ህዝቢ ናይ በዓሉ ክልል በዓሉ ክእውጅ’ዩ ” ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

             ህዝቢ ወላይታ ክልል ናይ ምዃን ሕቶ እዩ ኣቕሪቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ክንዲ ቁኑዕ መልሲ ዝህብ ንሕቶ ህዝቢ ወላይታ ንምጭፍላቕ “ብቑጽሪ ክግለጽ ዘይኽእል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፀረ-ሽበራን ኣድማ ብተናን ብኸበድቲ ወተሃደራዊ ተሽከርከርትን ዕጥቅን ተዓጂቦም ንወላይታ ከቢቦም ኣለዉ።  ከተማናን ዞባናን ዓውደ ኲናት’ዩ ዝመስል። ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብን’ውን ብብዝሒ ተዋፊሮም ኣለዉ” ክብል ኣረዲኡ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments