ህዝቢ ኢሮብ ኣምቡላንስ ብሓገዝ ረኺቡ፡፡

ንዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምግታእን ኣገልግሎት ትዉዕል ሓዳሽ ኣምቡላንስ ተወለድቲ ወረዳ ኢሮብ እንዳልገዳ ነበርቲ ሃገረ እስራል ንህዝቢ ኢሮብ ብሓገዝ ኣረኪቦም፡፡

ብሓደ ሚልዮን ብር ዝተገዝአት ኣምቡላንስ ብሓገዝ ሎሚ ንህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ዘበርከትሉ እዋን  ዝተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረ ፣ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎዶፋይን ካልኦት ሓለፍትን ከምዝተረኸቡ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ፀብፂቡ ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀይሕ መስቀል ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ኣለም ብወገኖም 190 ዝኣኽሉ ተወለድቲ ጣብያ እንዳልገዳ ብዝተገበረ ሓገዝ ዝተገዝአት ኣምቡላስ  ኣብታ ወረዳ ንዘሎ  ፀገም መጓዓዝያ ጥዕና ዝሰኣኑ ወገናት ኣብ ምፍታሕ ዑዙዝ ግደ ከምዝህልዋ ሓቢሮም፡፡

 ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ተወለድቲ ትግራይ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብመንግስቲ መዳይ ድማ ዝከኣሎ ኩሉ ከም ዝገብር ድማ ኣይተ ብርሃነ ኣለም ወሲኾም ገሊፆም፡፡


0