ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብመጓዓዝያ ባቡርን መንገዲ መኪናን ንምርኻብ ክስራሕ’ዩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/07/2012) “ህዝብታት ትግራይን ሱዳንን ብመጓዓዝያ ባቡርን መኪናን ንምርኻብ ክንሰርሕ ኢና” ክብሉ ብዓለክ ሃፍትን ምክትል ኣቦመንበር ዴሞክራስያዊ ሕብረት ሱዳንን ኣሳይድ መሓመድ ኣል ሀሰን ኣልምርቃኒ ገሊፆም ፡፡ 

ህዝብታት ሱዳንን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሞንጎኦም ንዘበናት ዝዘለቐ ጥንኩር ፍቕሪ ናብ ሓበራዊ ረብሓ ንግዳዊን ቁጠባዉን ንምስግጋር ኣብ መጓዓዝያታት ባቡርን መኪናን እንሰርሐሉ እዋን ሐዚ’ዩ ዝበሉ ኣሳይድ መሓመድ ኣል ሀሰን ኣልምርቃኒ ህዝቢ ትግራይ ንዋጋ ሰለም ዘለዎ ክብሪ ልዑል ምዃኑ ብኣካል ሪኦም ከምዝተገንዘቡ ኣረዲኦም ፡፡     


0