ህወሓት – ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንመስርሕ ሕገ ደንቢ እቲ ግንባር ብምግሃስ ንዝወስዶ ዘሎ ጉያ ዝተመልኦ ዉሳነ መስርሕ ውሁድ ፓርቲ ብምንፃግ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተፀወዐ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ገሊፁ ፡፡

   (ኤፍኤምመቐለ  11/03/2012)ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ትማሊ 10 ሕዳር ኣብ ክሊ’ዚ  ዘይሐጋዊ ዉሐደት ሰልፊን ቀፃሊ ሳዕቤኑን ድሐሪ ምዝታይ ንቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ከም ዝሓበሮ እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፡ ኣብ ናይ ውህደት ኣጀንዳ ተዘራሪቡ ንኽውስን ሕጋውን ፖለቲካውን ስልጣን ከም ዘይብሉ ኣብ መደምደምታ ከምዝበፅሐን እቲ ውድብ ፈጻሚ ስራሕ ይኹን እቲ ማእከላይ ኮሚቴ፡ ብስም ውህደት ንህወሓት ናይ ምፍራስ ስልጣን ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከብ ኣባል ናይቲ ውድብ ዝውስኖ ምዃኑ’ውን ኣረዲኡ ።

     ዕድል ህወሓት ዝውሰን  በብደረጃኡ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝግበር ጉባኤ ህወሓት ጥራይ ይኸዉን ዝበለ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብዚ ናይ ሎሚ ካበ ሕገ ደንቢ ዉድብ ኢህወደግ ወፃእ ብዘይሕጋውን ዓብላሊ ድምፅን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዉሁድ ሰልፊ ኣኼባ ክሳተፍ ከምዘይኽእል ዝሓበረ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ ሰናይ ጕሓቱ ኣፍቲ ዝተሰላሰለ ግህሰት መስርሕ ዉድብ ኢህወደግ ዝተቓወመ ህወሓት ኣብ መቐፀልታ እቲ ዘይሐጋዊ ዝካየድ ኣኼባ ምስታፍ ፋይዳ ከምዘየብሉ ኣነፂሩ ፡፡ 


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of