ህንዲ ብሰንኪ ሓደ ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ዜጋኣ 40 ሽሕ ዜጋታታ ኣብ መፍለይ ቦታ ኽፀንሑ ኣዚዛ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ19/07/2012) ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ፑንጃብ ሓደ ወዲ 70 ዓመት መራሒ ሃይማኖት ህንዳዊ ብኮሮናቫይረስ ሙማቱ ስዒቡ ንሱ ናብ ዝተዘዋወረለን ነበርቲ 20 ቁሸታት ዝኾኑ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ካብን ናብን ንዝገብሮዎ ምንቅስቓስ ብምግታእን ኣብ መፍለይ ቦታ ንኽፀንሑ ከምዝተኣዘዙ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም።

ወዲ 70 ዓመት ባልደቭ ሲንግ ተባሂሎም ዝፅዉዑ መራሒ ሃይማኖት ህንዳዊ ካብቲ ኣብ ሃገረ ጣልያንን ጀርመንን ዝገበርዎ ምብፃሕ ምስተመልሱ ካብ ሰባት ተኣልዮም ንበይኖም ኽፀንሑ ንዝተዋህቦም ምዕዶ ሰብ ሞያ ጥዕና ዕሽሽ ብምባል ንቡር ማሕበራዊ ርክባት ከምዝቐፀሉ ዝሓበሩ እቶም ሰብመዚ ጥዕና ድሕሪ ካብ ኣውሮጳ ምምላሶም “ሆላ ሞሃላ” ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ዓብይ ፌስቲቫል ሃይማኖት ሲክ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩን እቲ ሃይማኖታዊ በዓል ን6 መዓልታት ከምዝፀንሐን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተሳተፉ ንሰበ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ ።

 ወዲ 70 ዓመት ባልደቭ ሲንግ ተባሂሎም ዝፅዉዑ መራሒ ሃይማኖት ህንዳዊ በቲ ረኽሲ ቫይረስ ህይወቶም ካብ ዝስእኑ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ 19 ኣባላት ቤተሰቦም በቲ ረኽሲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኸቡ ተረጋጊፁ’ሎ ዝበለ ቢቢሲ 550 ምስቶም መራሒ ሃይማኖት ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም ፤ ዝያዳ ምንቅስቓስ ናብ ዝገበሩለን 15 ዓድታት ድማ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ እተን ዓድታት ዝርከባ ካልኦት 5 ቁሸታት’ውን ካብን ናብን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኽግታእ ከምዝተገብረን ናይዚ ድምር በዝሒ ህዝቢ ድማ ኣስታት 40 ሽሕ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

 ኣብ ህንዲ ክሳብ ሐዚ 640 ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ክልከፉ ከለዉ እቶም 30 በቶም ወዲ 70 ዓመት ባልደቭ ሲንግ ተባሂሎም ዝፅዉዑ መራሒ ሃይማኖት ህንዳዊ እቲ ረኽሲ ቫይረስ ዝሓለፎም ኣብ ግዝኣት ፑንጃብ ዝተረኽቡ’ዮም።


0