ህንዲ ምስ ኢራን ንዝህልዋ ርክብ ኢድ ኣእታውነት 3ይ ኣካል ከምዘየድልያ ገሊፃ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 27/10/2011) ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ቪ ሙራሌድሃራን ኣብ ዘሕለፍዎ ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ሃገሮም ምስ ኢራን ንእትገብሮ ርክብን ኢድ ኣእታውነት ካሊእ ወገን ከምዘየድልያን ብናይ ካሊእ ሃገር ተፀዕኖ ክግደብ ከምዘይኽእልን ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ዓማዊል ዕድጊት ዘይቲ ነዳዲ ኢራን ኣሜሪካ ፅዕንቶ እናሕደረት ከምዘላ እናተገለፀ ኾይኑ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ኢራን ማዕቐብ ዘንበረት ኣሜሪካ ህንዲ ሓዊሱ ሸሞንተ ሃገራት ጎና ጎኒ እቲ ማዕቐብ ዕድጊት ንክፍፅማ ዝሃበቶ ናይ 6 ወርሒ ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንበት ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ፡፡

ብኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ክሳብ ዝመፅእ 4 ሕዳር 2019 ኣሜሪካ ዕድጊት ፍርያት ነዳዲ ኢራን ናብ ዜሮ ንምውራድ እናሰርሓት እያ ተባሂሉ፡፡

ህንዲ ብወገና ብሓይሊ ድሕንነት ኣብ ዙርያ ጉዳያት ንግድን ኢኮኖሚያዊ ረብሓኣን ምስ ቴህራን ንምዝታይ ከምዝተዳለወት ኣፍሊጣ፡፡

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ህንዲ ዓሊ ቸግኒ ሃገሮም ንህንዲ ዘተኣማምንን ተመጣጣኒን ሓይሊ ምቕራብ ከምትኽእል ሓቢሮም፡፡

ኢራን ኣብ ከይዲ ዕድጊት ፍርያት ነዳዲ ብፍርያት ምልውዋጥ፣ ናይ ህንዲ ሩጲ ንካልኦትን መማረፅታት ከምትፈቅድ ገሊፃ፡፡

ንቻይና ስዒባ ህንዲ ካልኣይቲ ዓዳጊት ፍርያት ነዳዲ ኢራን ምዃና ፀብፃብ ፕረስ ቲቪ የመላኽት፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of