ህንዲ መጥቃዕቲ ክትፍፅም ትዳሎ ኣላ – ፓኪስታን

(ኤፍ ኤም መቐለ 30/07/2011) ህንዲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ፖኪስታን ዝኾነት ካሽሚር ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንምክያድ ከም ዝሓሰበት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፖኪስታን ኣፊሊጡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ህንዲ ናራንድራ ሞዲ ንወታደራት ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ፖኪስታን ክፍፀም ንዘተሓሳሰበ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ትእዛዝ ምሃቦም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፖኪስታን ሞሃመድ ቁረሺ ብቴቪዥን ሃገሮም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም፡፡

እቲ መጥቃዕቲ እዚ ድማ እዋናዊ ኩነታት ፖኪስታን ኣብ ግምት ዘይኣትውን ሓላፍነት ዝጎደሎን እዩ ብምባል እቶም ሚኒስተር ኮኒኖም፡፡

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ህንዲ እትርከብ ግዝኣት ካሽሚር ኣብ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ 42 ዝበፅሑ ወታደራት ህንዲ ምቕታሎም ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ምስሕሓብ ምንጋሱ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ሲጂቲኤን፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of