ሃገረ ጣልያን ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ምንካዩ ኣፍሊጣ፡፡

ኣብ ሃገረ ጣልያን ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት  ሕክምና ይረኽቡ ናይ ዘለዉን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ኣብ ምሕዋይ ናይ ዝርከቡን ሰባት ብዝሖም ከምዝነከየን እዚ ከኣ እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ካብ ዝረአ ጀሚሩ ንደሓር ካብቲ ዝነበሮ  ክንክይ ከሎ ንፈለማ እዋን’ዩ ኢሎም ኣለዉ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር።

ሰብ መዚ ጥዕና ሃገረ ጣልያን “ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ምንካዩ ኣፍሊጦም ዘለዉን እዚ ናይ ምንካይ ተርእዮ ንፈለማ እዋን’ዩ” ክብሉ ዝንየትሉ ዘለዉ ካብ ሞንጎ እቶም 108,237 ግዳይ መልከፍቲ ዝነበሩ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልትታት ብ20 ጥራይ ብምንካዩ’ዩ፡፡

ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር “እቲ ዝነከየ በዝሒ ቁፅሪ ክረኣይ ከሎ ውሑድ’ኳ እንተኾነ ፅቡቕ ምዕባለ ዘመላኽት እዩ” ክብሉ ከምዓብይ ዓወት ዝቖፅርዎ ዘለዉ ካብቲ ወሪድዎም ዝነበረ ምዕልቕላቕ ግዳይ መልከፍቲ ወገናቶም ንፈለማ እዋን ዝተርኣየ ዉፅኢት ምስ ምዃኑ ተደሚሩ’ዩ ተባሂሉ’ሎ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0