ሃገረ እንግሊዝ ን 47 ዓመታት ኣባል ሕብረት ኣዉሮፓ ኮይና ካብ ዝፀንሐትሉ ሎሚ ለይቲ ተፈላልያ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  23/05/2012) ሃገረ እንግሊዝ  ካብቲ ን47 ዓመታት ዝጸፀንሐትሉ ሕብረት ኤውሮጳ ብዕሊ ራሕሪሓቶ ወፂኣ ዘላ ምስቲ ሕብረት ሓቢርካ ንምቕፃል ወይ ድማ ንምንፃል ህዝበ ውሳነ ካብ ዝካየድ  ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ትማሊ ብዕሊ ምፍልላያ ከምዝተግሃደ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ ሃገረ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኣዉሮፓ ብዕሊ ምፍልላያ ሎሚ ለይቲ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ገሊኦም ሓጎሶም እንትገልፁ ገሊኦም ክኣ በቲ ፍትሕ ምስ ሕብረት ኣዉሮፓ ዝጓሃዩ ከምዘለዉን ድሕሪ እቲ ዕላዊ ፍትሕ’ዉን ምስቲ ሕብረት ሓቢርካ ምፅናሕ ዝድግፉ ዜጋታት እንግሊዝ ንቲ ዉሳነ ተቓውሞኦም ብሰላማዊ ሰልፊ ክገልፁ ሓዲሮም’ዮም ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።ሃገሮም ካብ ኣባል እቲ ሕብረት ንኽትወፅእ ኣትሪሮም ዝድግፍ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ቦሪስ ጀንሰን ድሕሪ እቲ ዕላዊ ዉሳነ ” ፍትሕ ሃገሮም ምስ ሓብረት ኣዉሮፓ ንቕድሚት ከምዘሰጉማ ኣይትጠራጠሩ ” ክብሉ ብትዊተር ገፆም ኣብ ዝዘርገሑዎ መልእኽቲ ገሊፆም ።”ንብዙሓት ሰባት እዚ ዘደንቕን ተስፋ ዘስንቕን ኣጋጣሚ እዩ። ብዙሓት እዚ ክውን ክኸውን እዩ ኢሎም ኣይኣመነኑን ነይሮም ግን ግድን ኮይኑ’ሎ፡፡” ድሕሪ ምባል ኣስዒቦም ድማ “ብርግፅ ንብዙሓት ዜጋታትና ሕርቃንን ጭንቀትን ዝፈጠረሎም’ውን ኣለዉ። ካሊእ ሳልሳይን ዓብዪ ጉጅለ’ውን ኣሎ። ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻት መወዳእታ ዘለዎ ዘይመስሎም፡፡እዚ ኩሉ ዝፃባእ ስምዒታት ይርደአኒ እዩ። ናተይ ስራሕ ድማ ከም መንግስቲ ነታ ሃገር ናብ ጎደና ሓድነት ኣእቲኻ ንቕድሚት ክትስጉም ምግባር እዩ፡፡ ኣብ ቅድሜና ቡሩህ ተስፋ ስለዘሎ ግን ኣይጨነቑ እንኳዕ ደስ በለኩም” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም’ዮም።


0