“ካብ ቀረባ እዋን ንድሓር ብሰንኪ ዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ኣብ ከባቢታት ዞባ ኮንሶን ፉሉይ ወረዳ ኣሌን ህይወት ሰብ ይጠፍእ ኣሎ፡፡”- ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ክልል ደቡብ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዝተሓላለኸ ፀገም ፀጥታ ኣብ ከባቢታት ዞባ ኮንሶን ፉሉይ ወረዳ ኣሌን ህይወት ሰብ ይጠፍእ ኣሎ ንብረት ህዝቢ ድማ ይዓኑ ከምዘሎ ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ክልል ደቡብ ተኣሚኑ፡፡ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ክልል ደቡብ ኣይተ አለማየሁ ባውዲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ከባቢታት ዞባ ኮንሶን ፉሉይ ወረዳ ኣሌን ንዘሎ ዘይሩጉዕ ህይወት ብዘላቕነት ንምእላይ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዘተ ከምዝገለፅዎ ኣብተን ዝተጠቐሰ ከባቢታት ክሳብ ሐዚ ከባቢታት ስግኣት ኮይኖም ከምዘለዉን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብዝተዋደደ መልክዑ እንተዘይተሰሪሑ ሓዚ’ዉን ገና ዘይሃድአ ጎነፅ ስለዘሎ ዝኸፍአ ሽግር ኽፍጠር ስለዝኽእል ቅድሚ ከቢድ ዕንወት ምፍጣሩ ቁልጡፍ ናይ ምርግጋዕ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡ ከም ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ፀጥታን ሰላምን መርበብ ሓበሬታ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments