ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒንምቕያር ይሕሰበሉ’ሎ፡፡

ፕረዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምቕያር ዝተትሓዘ ገደብ እዋን ናብ ሓደ ወርሒ ንኽሓፅር ንኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡ፕረዚዳንት ንግዲ ባንኪ ኣይተ አቤ ሳኖ ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምቕያር ዝተትሓዘ ገደብ እዋን ናብ ሓደ ወርሒ ንኽሓፅር ንኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ሕቶ ኣቕሪቦም ዘለዉ እቲ ብመንግስቲ ብልፅግና ተቐሚጡ ዘሎ ገደብ እዋን ሰለስተ ኣዋርሕ ብጣዕሚ ቡዙሕ’ዩ ካብ ዝብል ስነ ሓሳብ ተበጊሶም ከምዝኾነ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡ንልዕሊ 100 ሺሕ ብር ዝተቐመጠ መቐየሪ እዋን ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ንኽሳለጥ ልዕሊ 10 ሽሕ ብር ሒዙ ናብ ባንኪ ንምቕያር ኣብ ልዕሊ ዝመፅእ እቲ ልዕሊኡ ሒዝዎ ንዝመፀ ገንዘብ ኣብ ሒሳብ ደፍተሩ ኽቕመጥ ሒሳብ ደፍተር ዘይብሉ እንተኾይኑ ኽኣ ሓድሽ ሒሳብ ደፍተር ክኸፍት ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ዝተወሰነ ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ብር ብዝብል እንተዝዕረን ንዚ ክዉን ንምግባር ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ድማ እንተዝሓፅርን ክብሉ ሓሶቦም ኣቕሪቦም፡፡ኣቦ ወንበር ዉድብ ብልፅግና ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ንቲ ዝቐረበሎም ሓሳብ ድሕሪ ምስማዕ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስቲ ዘሎ ፃዕቂ ስራሕ ሰራሕተኛታት ባንክታት ከይፅገሙ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ገደብ እዋን’ዩ ነይሩ ድሕሪ ምባል እተን ባንክታት ኣብ ዉሽጢ 3 ኣዋርሕ ንዚ ናይ ምትግባር ዓቕሚ ኣለና ዝብላ እንተኾይነን ናብ ሓደ ወርሒ ዝሓፅረሉ ኩነታት ከምዘሎ ኣፍሊጦም፡፡ብኻልእ ወገን ገዛኢ ምሕደራ ሃገራዊ ባንኪ ዶ/ር ይናገር ደሴ ከምዝገለፅዎ ዝተሓተመ ሓድሽ ወረቐታዊ ብር መጠን 262 ቢሊዮን ብር ከምዝኾነን ዝተሓተመ ኖት ብር ብቑፅሪ 2.9 ቢሊዮን ከምዝኾነን ንዚ ሓድሽ ወረቐታዊ ብር 3.7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments