ኣባላት ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ሽኸት ንሰለስተ መናእሰይ ብምቕታል ንኻልኦት 9 መናእሰይ ኣቑሲሎም፡፡

ኣባላት ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ሽኸት ንሰለስተ መናእሰይ ብጥይት ቐቲሎም ንኻልኦት 9 መናእሰይ ኣቑሲሎሞም ዘለዉ ንዓመታዊ ንዝኽበር በዓለ መስቀል ንዳሜራ ዝኸውን ኦም ቆሪፆም ኣብ ልዕሊ ሽግ ዝሰርሑ ዝነበሩ መናእሰይ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ዓፋር ሃንደበት ብኣልማማ ብምትኳስ ጉድኣት ከምዘብፅሑ ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ።እቶም ብቶኽሳ ፉሉይ ሓይሊ ፖሊስ ክልል ዓፋር ጉድኣት ካብ ሞንጎ ዝበፅሖም ገሊኦም ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና፤ሕክምናዊ ሓገዝ ይወሃቦም ከምዘሎ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ። ከንቲባ ከተማ ኣብዓላ (ሽኸት) ኣይተ ጣሂር ግን ብሰንኪ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝተኣወጀ ኣዋጅ ናይ ዘይምእካብ እገዳ ዝጠሓሱ መናእሰይ ምስ ፖሊስ ምግጫዮም ስዒቡ ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምግላፆም ኣስዒቦም ድማ ጠንቂ እቲ ጎንፂ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፁ መናእሰይ ንህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ንምልታም ሓሲቦም ዘንቀልዎ እዩ ነይሩ ዝብል ግምት ከምዘለዎም ኣረዲኦም፡፡ ብዛዕባ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝበልዎም መናእሰይ ግን ዝበልዎ ነገር የለን ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ናብ ከተማ ሽኸት ብምእታው ነቲ ጎንፂ ከረጋግእ ከምዝጀመረ ቢቢሲ ወሲኹ ፀብፂቡ፡፡ስእሊ፡- ፋይል


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments