ንኹቡር ህዝቢ “ክብረት ይሃበልና” ክብል ህወሓት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ምስጋና ከምዘለዎ እንሆ!ክብረት ይሃበልናካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓትመቐለ 05 መስከረም 2012 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)ብኽባር መስዋእቲ ዘረጋገፅናዮ መሰል ዓርሰ ውሳነና፣ ኣሕሊፍና ኣይንህብን፤ ብምባል መረፃ መሰል ዓርሰ ውሰነ ኣካይድና።ብኸበድቲ ፈተናታት ተኸቢብና፣ ንኹሎም ከከም ኣመፃፅአኦም ብጥበብ እናመከትና፣ ታሪኻዊ ከይድታት ሓሊፍና እነሆ ከምወትሩ ዳግም ቅያ ሰሪሕና!”ኣይካየድን” ተባሂሉ፤ ብዙሕ ዝተፈከረሉ መረፃና፣ ንኹሎም ፈኸራታትን ብድሆታት ሰጊርና ዕውት መረፃ ኣካይድና!ክብረት ይሃብልና ህዝብና!! እንኳዕ ደስ በለካ!እንኳዕ ደስ በለኩም በብርኩ እትርከቡ መላእ ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ደገፍትን ውድብና!ህዝብና፣ ንፈተናታት ብዓወት ፈንፂሑ ክወፅእ፣ ቀፀልቲ ባህግታቱ ክጭብጥ ንውድቡ ህወሓት መሪፁ ኣሎ።ነዚ ልዑል ክብሪ ይስመዐና !! ንባህግታት ህዝብና ድማ ኣብ ቃልና ክንርከብ ኢና!!ትግራይ መሪፃ!!ሕዚ እውን መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!ዘለኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና!!ቤት ፅሕፈት ህወሓት04/01/2013 ዓ/ም


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments