ብመሰረት ውፅኢት መረፃ 2012 ውድብ ህወሓት ብ189 ድምፂ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ድማ ብ 1 ድምፂ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ከምዝምስርታ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኮምሽን መረፃ ትግራይ “ትግራይ ትመርፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከካይዶን ክመርሖን ዝፀንሐ ታሪኻዊ መረፃ ትግራይ 2012 ዓ.ም. ዕላዊ ውፅኢት ብምፅራሕ ሎሚ 4 መስከረም 2013 ዓ/ም ነዚ መረፃ ዝምልከት ስርሑ ዛዚሙ ኣሎ።ንዓቃልን ለባምን ህዝቢ ትግራይ፣ ንኩሎም ተነሓናሕቲ ውድባትን ውልቀ ተወዳደርትን፣ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይን መላእ መሓውር መንግስቲ ትግራይን፣ ንሚድያታት ትግራይን ደገን ብሓፈሻ ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ ግደ ንዝነበሮም ኩሎም ዓብዪ ምስግና ምስ ዕዙዝ ኣድናቖትን ክብርን ኣቕሪቡሎ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments