ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም፡፡ፕሬዚዳንት ባንክ ልምዓት ኢትዮጵያ ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣይተ ሃይለየሱስ በቀለ ካብ ሎሚ 4 መስከረም 2013ዓ.ም. ጀሚሮም ካብ ዝነበሮም መዝነት ከምዝወረዱን ብመንገዲ እሙናት ምንጭታተይ ኣረጋጊፀ’ለኹ ክብል ጋዜጣ ሪፖርተር ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ገሊፁ፡፡ከምፀብፃብ ጋዜጣ ሪፖርተር እንተኾይኑ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣይተ ሃይለየሱስ በቀለ ካብ ሎሚ 4 መስከረም 2013 ዓ.ም. ጀሚሮም ዝኾነ ይኹን ሓድሽ ልቓሕ ንኸይፈቕዱ ፤ ቅድም ክብል ዝተፈቐደ ልቓሕ ገንዘብ እንተሃልዩ’ዉን እቲ ዝተፈቐደ ልቓሕ ንኽእገድ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡እቶም ፕረዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምንታይን ስለምንታይን ከምዝተልዓሉ እሙናት ምንጭታተይ ካብ ምግላፅ ዕቃበ መሪፆ’ዮም ዝበለ ጋዜጣ ሪፖርተር እቶም ፕረዚዳንት ኣብ ቀረባ እዋን ክለዓሉ’ዮም ዝብል ኣብ ዉሽጢ እቲ ትካል ብስፍሓት ክዉረ ከምዝፀንሐን ኣብ ክንደኦም ቅድም ክብል ብዓል ሞያ ቁጠባን ምክትል ገዛኢ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ ዶ/ር ዮዉሃንስ ኣያሌዉ ንሹመት ከምዝተመዘዙ ወሲኹ ኣፍሊጡ፡፡ፕረዚዳንት ልምዓት ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኃየለየሱስ በቀለ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፀኦም ልምዓት ባንኪ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራዊ ባንኪ ብምጥቕላል ህላዉኡ ምስ ቀሃመን ንቲ ዝቐሃመ ባንኪ ንኽመርሑ ተመዚዞም ክሰርሑ ከምዝፀንሑን ጋዜጣ ሪፖርተር ሐዚ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ፀብፂቡ፡፡ሓድሽ ንፕረዚዳንት ልምዓት ባንኪ ዝተመዘዙ ዶ/ር ዮሐንስ ኣያሌዉ ኣባል ቦርድ እቲ ባንኪ ኮይኖም ክሰርሑ ስለዝፀንሑ ካብ ኣባልነት እቲ ቦርድ ብምዉራድ ንቲ ሓድሽ መዝነቶም ብሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ክሳብ ዘፀድቀሎም ይፅበዩ ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም እሙናት ምንጭታት ዝበሎም ጋዜጣ ሪፖርተር ዶ/ር ዮዉሃንስ ኣያሌዉ መጠን ሸርፊ ሓደ ዶላር ብብር ብ15% ክብ ክብል ከሎ ብትሪ ካብ ሞንጎ ዝተቓወሙ ብዓል ሞያ ምዃኖም ስዒቡ ብቡዙሓት ከምዝፍለጡ እቲ ጋዜጣ ወሲኹ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments