“ምስ ባንኪ ዓለም ክዘራረብ ስለዝደሊ መድረኽ ዘተ ይዳለወለይ፡፡”-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡፡

ባንኪ ዓለም ንሃገራዊ ምምሕያሽ ቁጠባ ዓሊሙ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ንዝኣተዎ ብዘይምሃቡ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለዝወደቕኩ ምስ ትካል ባንኪ ዓለም ንኽዛተ መድረኽ ይተሓዘለይ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካል ባንኪ ዓለም ሕቶ ከምዘቕረበ ተገሊፁ፡፡ሬድዮ ዋዜማ ሐዚ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ከምዝሓበሮ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምምሕያሽ ቁጠባ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ንምሃብ ቃል ንዝኣተዎ ብዘይምሃቡን ምትእጉጓሉን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቃል እቲ ሓገዝ ኣሚኑ ክሰርሖም’የ ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ደዉታ ከምዝፈጠረን ድሕሪ ምግላፅ ንዚ ንምፍታሕን ንቲ ብባንኪ ዓለም ደዉ ንዝበለ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ብዛዕባ ዝፍነወሉ ንምዝርራብ መድረኽ ዘተ በቲ ባንኪ ንኽታሓዘሉ ሓቲቱ’ሎ፡፡ባንኪ ዓለም ንሃገራዊ ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ክህቦ’የ ንዝበሎ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ደዉ ኣቢልዎ ዘሎ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ብመንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካን ትካል ገንዘብ ዓለምን (IMF) ንኸተግብሮም ንዝተዉሃብዎ ህፁፃት መደባት ከተግብር ብዘይምኽኣሉ ከም ዝኾነን ካብ ሞንጎ እቶም ህፁፃት መደባት እቲ ሓደ ጉዳይ ኣባይ ከምዝኾነ ሬድዮ ዋዜማ ፀብፂቡ’ሎ፡፡ ባንኪ ዓለም ቅድሚ ቁሩብ እዋን ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ንኢትዮጵያ ንምሃብ ቃል ንዝኣተዎ ደዉ ኣቢለዮ ኣለኹ ምባሉ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገለ ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ጨንፈር ኢትዮጵያ ብምምኻር ሓሶት ንኽብሉ ብምሕባል ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ብልፅግና ኢቲቪ ፋና ዋልተራን ካልኦትን ሓሶት ምዃኑ ድሕሪ ምፅብፃበን ሐዚ ድማ ብዉሽጣ ዉሽጢ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስቲ ባንኪ ንኽዛተዩ ሕቶ ምቕራቦም ንቡዙሓት ኣገሪሙ’ዩ ዘሎ፡፡መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካን ትካል ገንዘብ ዓለምን ንነዊሕ እዋን ንኢትዮጵያ ብነዊሕ ልቓሕን ዕዳን ቆሪንካ ብምሓዝ ድሌታተን ከምድሌተን ብሓይሊ ንምትግባር መእተዊ ነዃል ከናድያ ድሕሪ ምፅናሕ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፀኦም ስዒቡ ዝተፈላለዩ ምጉያይ ከምዝተርኣዩን ከም ዉፅኢቱ ንገለ ዝደልይዎ ምስረኸቡን መንግስቲ ብልፅግና ኣብ ትሕቲኦም ምዉዳቑን ምስ ኣስተዉዓሉን ድማ ምዕባይን ዝባኖም ምሃብን ምጅማሮም ስዒቡ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ምስኦም ህፁፅ ዘተ ንኽገብሩ መድረኽ ንኽመዓራረየሎም ሓቲቶም ዘለዉ ኣብቲ መስርሕ ግበር ኣይትግበር ኣድሂቦም ንምዝርራብን ንምርድዳእን ዝተደረኸ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ ከም ፀብፃብ ሬድዮ ዋዜማ፡፡1 Comment


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments