“ኮነሬል ኣብዪ ኣሕመድ ውልቀ-መለኽቲ ኣፍሪካ 1960ታት’ዩ ዝመስል፡፡”

“ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረፃ ኣይሕጋዉን ምባል ኣይከኣልን።””መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንምዉሳድ እንተፈቲኑ ኢትዮጵያ ንሓላላ ክትብተን ትኽእል እያ፡፡” – ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም ንቢቢሲ ካብ ዝሃብዎ ሓሳብ ዝተወስደ ፡፡ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኪል መምህር ዝኾኑ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም ምስ መደብ ቢቢሲ ኒውስሃዎር ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝገለፅዎ ኮነሬል ኣብዪ ኣሕመድ ውልቀ-መለኽቲ ኣፍሪካ 1960ታት’ዩ ዝመስል ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ “ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረፃ ኣይሕጋዉን ምባል ኣይከኣልን ዝበሉ ዶክትር ኣወል ኣሎ ቃሲም ኣብ ኢትዮጵያ መራሒ ለውጢን ዕርያን ተባሂሉ ብዙሕ ናእዳ ኽዉሕዘሉ ዝፀንሐ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከምስል ዝዛረቦም ዝነበረን ዘበገሶም ናይ ዕርያ ስጉምትታትን ስልጣኑ ክሳብ ዘደላድል ዝተጠቐመሉ ሜላ እዩ ነይሩ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካን መምህርን ዩንቨርስቲ ኪል ሃገረ እንግሊዝን ዝኾኑ ዶ/ር ኣወል ኣሎ ቃሲም እቲ ሐዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌዴራልን ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብመንፅር ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነስ ህወሓትን ብልፅግናን ዘሰጉምዎ ካብ ዘለውዎ ፖሊቲካዊ ስነ-ሓሳብ ከምዝብገስ ገይርካ ክረአ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላፆም “ብመንፅር ፌዴሬላዊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፤ ትግራይ ዘካየደቶ መረፃ ክልል ዘይሕጋዊ ክብሃል ኣከኣልን ” ክብሉ ገሊፆም። ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ – መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ክልሉ መረፃ ኾነ ካልእ ናይ ምክያድ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከምዘለዎ እዩ ዝትንትን። ፌዴራል መንግስቲ ሃገራዊ መረፃ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ -19 ንዘይተወሰነ እዋን ምስ ኣናወሐ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ውሳነ ኣይተቐበሎን። ቅድሚ ኮሮና ምምፅኡ መንግስቲ ፌዴራል መረፃ ንምክያድ ምድላው ኣይገብርን ዘሎ ኢሉ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ። መንግስቲ ፌደራል መረፃ ኣይ ኣየካይድን ምስበለ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክኣ ህዝቢ ዘይመረፆ መንግስቲ ክመርሕ ስለዘይብሉ መረፃ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ስለዝወሰነ መረፃ ኣካይዱ፡፡ እዚ ኽኣ ሕጋዊ’ዩ፡፡ክብሉ ኣብሪሆም፡፡ “ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ጥሒስካ መረፃ ምክያድ ብኸመይ ሕጋዊ ክኸውን ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሎም ዶክተር ኣወል “ካብ መትከል እቲ ሕገ መንግስቲ እንተተራእዩ ፌደራል መንግስቲ ከምኡ ናይ ምግባር ስልጣን ከምዘይብሉ የረድእ። መንግስቲ ፌዴራል ሃገራዊ መረፃ ምንውሑ ኣይተስማማዕኹን ምባሉ እቲ ክልል ዘካይዶ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ወይከኣ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ማለት ኣይኮነን እቲ ምንታይ እቲ ፌዴራላዊ ስርዓት ክልላት ባዕለን ንባዕለን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ከመዘለዎን ድማ ኣስሚርሉ ስለዘሎ” ክብሉ ኣረዲኦም። “ኮነሬል ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ንህወሓት ኣጓንዩወዎ’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣወል ኣብታ ሃገር ከምቲ ኣቐዲሙ መረፃ ንምክያድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሃገራዊ መረፃ ተኻይዱ እንተዝኸውን ነይሩ ብልፅግና ክስዕር ኣይኽእልን ነይሩ ክብሉ ዶክተር ኣዎል መርገፂኦም ኣነፂሮም።ኣብ ክልል ትግራይ መረፃ ምክያዱ ስዒቡ ኣብይ ኣሕመድ ንትካላት ፌዴራል ከም ዓብይ ጉልበት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተወሲዱ ፤ እቲ ጎንፂ ናብ ዘይምለስ ብርኪ ክበፅሕ ከምዝኽእል ልዑል እምንቶ ኣለኒ ዝበሉ ዶ/ር ኣወል ኣብ ትግራይ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምፍታን ማለት ኢትዮጵያ ንሓላላ ክትብተን ትኽእል እያ” ክብሉ ኣረዲኦም። “ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ኣገዳሲት ስለዝኾነት እዩ ኣብ ልዕሊኣ ስጉምቲ ምስ ዝዊሰድ ክሳብ ሃገር ምፍራስ ዘብፅሕ?” ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሎም ዶ/ር ኣወል “ኣብዚ እዋን’ዚ ውድብ ብልፅግናን እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተርን ዘይቆፃፀርዋ ክልል ትግይ ጥራይ’ያ ንሳ’ዉን ሕገ-መንግስታዊ መሰላ ብሓይላ ተረጋግፅ ከምዘላ ድሕሪ ምግላፅ ናፅነት ዘለዋን ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ክልላት ራብዓይቲ ዓባይ ክልል ትግራይ ብምዃናን ወሳኒት’ያ ክብሉ ገሊፆም። “እቲ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ተበግሶ ዕርያን ካልእን ካብ ልቢ ኣይነበረን ካብ ሃገር ውሽጢ ኾነ ካብ ዓለም ለኸ ኣካላት ድጋፍ ንምርካብ ዝተገብረ ‘ምበር ሓቃዊ ኣይኮነን። ስልጣኑ ንምድልዳል ዝተጠቐመሉ ሜላ’ዩ ” ክብሉ ንቲ መስርሕ ዘነኣኣሱ ዶ/ር ኣወል ብፍላይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ተወላዲ ኦሮሞ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስተቐትለ ኣብይ ኣሕመድ ዳርጋ ንኹሎም ቀንዲ ተቓወምቱ ካብ ገፅ ፖለቲካ ክጠፍኡ ገይርዎም ኣሎ። ሕዚ ንኢትዮጵያ ክፍውስ ዝኽእል ሰብ ንሱ ጥራሕ ከምዝኾነ እዩ ክረአ ዝደሊ ዘሎ ፤ኣብዪ ኣሕመድ ልክዕ ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነፃ ምስ ወፀት ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ እዩ ዝመስል ዘሎ” ክብሉ ደምዲሞም።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments