ኢትዮጵያ ባይታ ንዝዘበጠን ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ንዝማህመነን ብር ንምቕያር ተዳልያ፡፡ ንፈለማ እዋን ብዓል 200 ብር ወረቐታዊ ኖት ተሓቲሙ ኣብዕዳጋ ክዉዕል’ዩ፡፡

ካብ እዋን ናብ እዋን ቁጠባኣ ኣብ ቁልጡፍ ምንቁልቋል ትርከብ ኢትዮጵያ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ባይታ ንዝዘበጠ ወረቐታዊ ገንዘባ ብካልእን ሓድሽን ወረቐታዊ ብር ኖት ንምቕያር ኣብ ቅድመ ምድላዉ ከምትርከብ ተፈሊጡ፡፡

ሓድሽን ወረቐታዊ ብር ኖት ንምቕያር ኣብ ቅድመ ምድላዉ ዝርከቡ ነባራት ብዓል 10 ብር ኖት፣ 50ን 100 ብር ሙሉእ ብሙሉእ ብሓደሽቲ ወረቐታዊ ብር ንምቕያር መስርሕ ተወጊኖም ከምዘለዉ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡

እቶም ብሓደሽቲ ወረቐታዊ ኖት ኽቕየሩ ኣብ ምድላዉ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ሓደሽቲ ወረቐታዊ ብር ብዓል 200 ብር ንፈለማ እዋን ተሓቲሙ ንዕዳጋ ከምዝዉዕል ሓቢሮም ኣለዉ፡፡

መንግስቲ ኣመሪካን ትካል ገንዘብ ዓለምን መጠን ሸርፊ ዕዳጋ ዶላር ብህልዉ ዕዳጋ መጠን ገንዘብ ብር ክዉስን ንዘተኣታተዉዎ ቅድመ ኩነት ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ብዘይ ቅድመ ኹነት ምቕባሎም ስዒቡ ወረቐታዊ ኖት ብር ኢትዮጵያ ናይ ምዕዳግ ዓቅሙ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎን ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ስነቑጠባ ሃገርና ኽገልፁ ከምዝፀንሑ ዝዝከር’ዩ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments