ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ብልፅግና ሰማይ ዓሪጉ ንዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድዓኽ ዝድርኺቱ ዘይተኣደነ ኣበርክቶ ወተሃደራዊ መካይንን ማዕርግን ይልገስ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ብልፅግና ሰማይ ዓሪጉ ንዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድዓኽ ዝድርኺቱ ሎሚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ኣዳማ ኣብ ኣዳራሽ ኣባ ገዳ ኣብ ዝተሰላሰለ መድረኽ ልግሲ ወተሃደራዊ ማዕርግ ፉሉይ ሓይሊ ካብ ሳጅን ክሳብ ምክትል ኮምሽነር ብርእሰ ምምሕዳር እታ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ ከምዝተዉሃበን ሐዚ ኣማስዩ ድማ 600 ሓደሽቲ ወተሃደራዊ ተሸከርከርቲ ንፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ከምዝተለገሳ ተረጋጊፁ’ሎ፡፡እቲ ሎሚ ዝተለገሰ ሓድሽ ወተሃደራዊ ማዕርግ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጢ እታ ክልል ንዝተርኣየ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ናይ ምጭፍላቕ መስርሕ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ኦሮምያ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ ዑዙዝ ኣበርክቶ ንዝነበሮም ኣባላት ፉሉይ ሓይሊ ካብ ሳጅን ክሳብ ምክትል ኮምሽነር ዝዘለቐ ማዕርግ ከምዝተዉሃቦም ተፈሊጡ’ሎ፡፡ ሐዚ ኣማስዩ ድማ ኣብታ ክልል ንዝረአ ዘሎ ተቓዉሞን ገና ዘይቀሃመን ህዝባዊ ምንዕዓብ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ዘኽእሉ ንፉሉይ ሓይሊ እታ ክልል 600 ሓደሽቲ ወተሃደራዊ መካይን ከምዝተለገሳን ገናዉን ንቕድሚት ተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ምጥንኻር ከምዝቕፅል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ንማዕከናት ዜና ክልሎም ኣብዝሃብዎ ቃል ገሊፆም፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments