“ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ህወሓት ብዓብላሊ ድምፂ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ’ሎ፡፡” – ኮምሽን መረፃ ክልል ትግራይ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዝተካደ ክልላዊ መረፃ ውድብ ህወሓት ብዓብላሊ ድምፂ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ከምዘሎ ኮምሽን መረፃ ቦርድ ክልል ትግራይ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኣብ ድሕረ ገፁ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ፡፡ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት :-ህወሓት 2, 590, 620 ድምፂ ህዝቢ ብምርካብ = ቀዳማይባይቶና 20, 839 ድምፂ ህዝቢ ብምርካብ = ካልኣይውናት 18, 479 ድምፂ ህዝቢ ብምርካብ = ሳልሳይሳወት 7, 136 ድምፂ ህዝቢ ብምርካብ = ራብዓይዓዴፓ 774 ድምፂ ህዝቢ ብምርካብ = ሓምሻይ ብምዃን ደረጃ ሒዞም ከምዘለዉን ገና ዘይተማልአ ዉፅኢት ከምዝኾነ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ኣብ ድሕረ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ፡፡ ብመሰረት እዚ ህወሓት እቲ 80 ኢድ ሚኢታዊ ዝሕዝ 152 ወናብር ንምሓዝ ብዓብላሊ ድምፂ ይመርሕ ከምዘሎ ፤፡እቲ ዝተረፈ 20 ምኢታዊ (38 ወናብር ) ድማ እቶም ኣብቲ መረፃ ዝተነሓንሑ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ብዝረኽብዎ ድምፂ ዝማቐልዎ እዩ::


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments