ታሪኻዊ መረፃ ትግራይ ብዓይኒ ማዕከናት ዜና ዓለምን ፉሉጣት ሰባትን ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ፡፡”-ቢቢሲ፡፡

ቢቢሲ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ታሪኻዊ መረፃ ትግራይ ብዓይኒ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣዘራራቢ ኮይኑ ከምዘሎ ንዝኣኻሐቦ መረዳእታ ብምጥቃስ ንንባብ ዘርጊሕዎሎ፡፡ ዝተኽልከላ ሚድያታት ዓለም ብዛዕባ መረፃ ትግራይ ዝበልኦመንግስቲ ፌዴራል ሚድያታት ነቲ ‘ኣይሕጋውን’ ዝበሎ መረፃ ሽፋን ንከይህባ ፃዕሪ ገይሩ። 12 ዓለማዊ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ናብ መቐለ እንተምርሑ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሓይልታት ፀጥታ ተኣጊዶም ንብረቶም ተመንጢሎም ካብታ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንክወርዱ ተገዲዶም። ካብቶም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይጓዓዙ ዝተኸልከሉ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወኪል ዝተፈላለዩ ሚድያታት ዓለም ለኸ ዝኾነ ሳይመን ማርክስ እቲ ኩነታት ንቢቢሲ ካብ ምግላፅ ሓሊፉ ኣብ ትዊተሩ ኣቃሊሕዎ እዩ። ብዙሓት ድማ ተቐባቢሎምሉ። ሮይተርስ፣ ኒውዮርክ ታይምስን ኤኤፍፒ ካልኦት ማዕከናት ሚድያ ዓለም ብዛዕባ እቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ክልከላ ፅሒፈን ነቲ መረፃ መዘራረቢ ዓለም ንምዃን በቒዑ። ሮይተርስ ኣቐዲሙ ዘውፀኦ መዘራረቢ ዝኾነ ዜና “Ethiopia bars journalists from flying to Tigray regional vote” ከም ኤ ኤፒን ቪኦኤን ዝኣመሰላ ብዙሓት ተቐባቢለናሉ። ገለ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ግን ቀዲሞም ስለዝኸዱ ነቲ መረፃ ክፅብፅቡን ክዕዘቡን ከምዝኸኣሉ ሪፖርተር ቢቢሲ ተመልኪቱ። ኮሚሽን መረፃ ትግራይ ነቲ መረፃ ንዘይቕበሉ ሓደ ሓደ ሃገራዊ ሚድያታት ኣብ ባይታ ተረኺቦም ክፅብፅቡ ኣይፈቅድን ኢሉ እዩ። ንዓለም ለኸ ሚድያታት ግና ዕድመ ገይሩ ነይሩ። ብኡ መሰረት ቀዲሞም ካብ ዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ኤኤፍፒን ዶቾበሌን ይርከብዎም። ካብ ተዓዘብቲ ድማ፡ ፍሉጥ ተንታኒ ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ትሮንቮል ኣብቲ መረፃ ከም ተዓዛቢ ዝተሳተፉ ኮይኖም ኣካል እቲ ን30 ዓመታት ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ምርምራት ከምዝኾነ ኣብ ትዊተሮም ገሊፆም። ነበርቲ እታ ‘እምባታት ዝበዝሕዋ’ ዝበልዋ ትግራይ ኣብቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ዝበሎ መረፃ ሰባት ብለይቲ ተሰሊፎም ድምፆም ብታሕጓስ ክህቡ ውዒሎም ክብሉ ድማ ፀብፂቦም፡፡ ስምዒት ናይ ገለ ኣድመፅቲ’ውን ብቪድዮ ቐሪፆም ኣቃሊሖም። ገለ ዘዘራረቦም ናይ ኲናት ጉድኣት ኣካል መረፅቲ ‘መረፃ ፍረ መስዋእትና እዩ ” ኢሎምዎ። ሮይተርስቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብዪ ኣሕመድ በቲ ናይ ‘እድር’ መረፃ ኢሉ ዘነኣኣሶ ከምዘይሓምም እንተገለፀ’ኳ ሮይተርስ ግን ንኣብዪ ኣሕመድ እቲ ጉዳይ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ እዚ ዝዓበየ ሕማም ርእሲ ኮይኑዎ ኣሎ ይብል። ኣብ ምፍላጥ መስሕባት (ኣድቨርትዝመንት ሳይትስ) ዝነጥፉ ክልተ ሰራሕተኛታት “ድሕሪ ሕዚ ካብ ኢትዮጵያ ናፃ ክንውፅእ ኢና ንደሊ” ኢሎም ከምዝገለፅሉ ኣቃሊሑ። ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብዪ ፅልዋ ነይርዋ ዝብላ ትግራይ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ኢትዮጵያ 6 ሚኢታዊ ጥራሕ እንተኾነት’ኳ ብታሪኽን ፖሊቲካዊ ፀብለልታን ሃብታም ክልል ከምዝኾነት ገሊፁ ትንታንኡ ይዝዛም። ኣልጀዚራካልእ ነቲ ክስተት ሽፋን ዝሃበ ዓለማዊ ሚድያ ኣልጀዚራ እዩ። ጉዳይ ትግራይ ንኣብዪ እቲ ዝዓበየ ፈተነ ከምዝኾነ ምስ ሮይተርስ ዝመሳሰል ትንታነ ኣቕሪቡ። ናይዛ ልዕሊ 80 ብሄረሰባት ዝሓዘት ሃገር ሓድነት ሓሊዩ ንምኻድ ይፀዓር ከምዘሎን ጉዳይ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ብደሆ ክኸውን ከምዝኽእልን ይገልፅ። ኣልጀዚራ ንጌታቸው ረዳ ጠቒሱ እቲ መረፃ ብውሕሉል ኣገባብ ከምዝተዛዘመን፡ ብዙሕ ህዝቢ ድምፁ ከምዝሃበን ኣስፊሩ። ካብ ድሮ እቲ መረፃ ኣትሒዙ ኣብታ ከተማ ሓያል ናይ ፀጥታ ሓለዋን ድሕነትን ከምዝነበረ ድማ ንነበርቲ ከተማ መቐለ ጠቒሱ ሓቢሩ። ናጽነት- ዘስምዑ ጸብጻባትኣልጀዚራ፡ ኣብ ድሮ እቲ መረፃ ሰፊሕ ትንተና ዝሰርሐ ኾይኑ ብፍላይ ንፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮል ኣዛሪቡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መናእሰይ ተጋሩ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዓብዪ ናይ አተሓሳስባ ለውጢ ከምዘሎ “ምግንፃል” ኣብ ዝብል ንኡስ ርእሲ ኣስፊሩ።ንኣቦ መንበር ውድብ ናጽናት ትግራይ ግርማይ በርሀ ድማ ኣዘራሪቡ ነይሩ ካብ ኢትዮጵያ ምፍልላይ ዘሰጉም እዚ ውድቡ “ኣብዚ ሓፂር እዋን ብፍላይ ኣብ መናእሰይ ዘይገመትናዮ ዓብዪ ተቐባልነት እዩ ዘለና” ኢሉ ።ፍራንስ 24 ‘ኣፍሪካ ኣይ’ ኣብ ዝብል መደቡ ሰፊሕ ፀብፃብ ዘቕረበ ኾይኑ ገለ ዘዘራረቦም ነበርቲ መንግስቲ ፌዴራል ካብዚ ክልል ተማሂሩ መረፃ ከካይድ እንተኽኢሉ ተኸኣኢልካ ብሓደ ንምንባር ተስፋ ኣለዎም። ኣብ ናይሮቢ ኬንያ እትነብር ወኪል ፍራንስ 24 ድማ ህወሓት ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣኑ ብዘይሕጋዊ መገዲ የናውሕ ኣሎ -ኢሉ ከምዝኣምን እቲ ዘሎ ወጥርን ምትፋንን ተንቲና ኣረዲኣ። እቲ ወጥሪ ናብ ካልእ ከምርሕ ከምዝኽእል ድማ ኣአንፊታ።ካልኦት ዓለም ለኸ ሚድያታት ከም በዓል ሲጂቲኤን ዝኣመሰሉ ድማ ሰፊሕ ሽፋን አቲ ታሪኻዊ መረፃ ካብ ዝፀብፀቡ’ዮም። ፍሉጣት ሰባት’ከ እንታይ በሉ?ተንታኒት ፖለቲካ ፀዳለ ለማመረፃ ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ ኾይኑ እዩ ቐንዩ። ብዛዕባ መረፃ ትግራይ ብብዝሒ ካብ ዝፀሓፈት ኢትዮጵያዊት ተንታኒት ፖለቲካ ፀዳለ ለማ ሓንቲ እያ። ኣቐዲማ ነቲ ናይ ክልል መረፃ ንምፅላም ብሚድያታት ፌዴራል መንግስቲ ዝግበር ንዝነበረ ፀለመ ጠቒሳ እቲ መረፃ ምስተዛዘመ ድማ “ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዝግበኦን እቲ ዘይተወደአ ህንፀት ሃገር ኢትዮጵያ ቅልዕ ኣቢሉ ዘርኢ ክስተት’ዩ” ክትብል ገሊፃ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማርቲን ፕላውትፍሉጥ እንግሊዛዊ ነበር ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማርቲን ፕላውት ብወገኑ “ትግራይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ኩነታት ሰላማውን ዕውትን መረፃ ምክያዳ ናእዳ ይግባኣ” ኢሉ። “ዕጫ ትግራይ ካብ ናይ ዝኾነ ግዳማዊ ኾነ ውሽጣዊ ሓይሊ ድፍኢት ወፃኢ ብህዝባ እዩ ክውሰን ዘለዎ” ዝበለ ፕላውት ንዝተረፈ ኣካል ኢትዮጵያን ንኤርትራን ዓብዪ ትምህርቲ ከምዝኸውን ኣብ ትዊተሩ ፅሒፉ። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሶማልያዊ ራሺድ ኣብዲካልእ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሶማልያዊ ራሺድ ኣብዲ ብወገኑ ንመረፃ ትግራይ ፅቡቕ ትምኒቱ ብምግላፅ ሰላማውን ተኣማንን መረፃ ንፌዴራሊዝም ዋሕስ ከምዝኾነ ገሊፁ። ንሱ ነቲ ናይ ትግራይ መረፃ ከም ኣብነት ወሲዱ፤ ብፍላይ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ነቲ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘቑፀረ ስርዓት ፌዴራሊዝም ክሃስዩ ዝደልዩ ሓይልታት በተን ክልላት ክብድሁ ከምዘለዎም ኣብ ትዊተሩ ገሊፁ። ተወላዲት ሶማሊ ላንድ ዝኾነት ዶክተር ሞሃ ጂሬተወላዲት ሶማሊ ላንድ ዝኾነት ዶክተር ሞሃ ጂሬ ብወገና “ካብ ፌዴራል መንግስቲ ዝበፅሐኩም ዘሎ ምጉናይን ፀቕጥን ተፃዊርኩም ንዲሞክራስያዊ መሰልኩም ብዝኸፈልክምዎ መስዋእትነት ተሓቢነልኩም” ዝብል ኣብ ትዊተራ ፅሒፋ ዘርጊሓ። ሎሚ ድማ “እቲ ምኽንያት ምንዋሕ ነቲ መረፃ ኮሮና እንተነይሩ ደኣ ንምንታይ ወተሃደራዊ ምርኢት ክትገብር ውዒልካ?” ብምባል ሕቶኣ ንዶ/ር ኣብይ ኣቕሪባ።ገለ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ናይ ትግራይ ባንዴራ ዘቃልሑን ከም መለለዪ ስእሎም ገይሮም ዝጠቅዑን እውን ኣለዉ። ሕብረት ኣውሮፓተወካሊት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ሓንቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባ መረፃ ትግራይ ንዝቐረበለን ሕቶ ቅዋም እቲ ሕብረት ዘንፀባረቓ ኮይነን “ሕብረት ኤውሮፓ ኩሎም ኣካላት ካብ ዝኾነ ሓይለ ቃል ክዕቅቡን ካብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክቑጠቡን” ፃውዒት ይገብር ኢለን። ድባብ ድሮ እቲ መረፃ?ምስቲ ክልል ብደብዳበ ክመላለስ ዝፀንሐ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን ኣብ መወዳእታ ኣብ ድሮ እቲ መረፃ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ እቲ መረፃ ሕጋዊ ተፈፃሚነት ከምዘይህልዎ ወሲኑ ነይሩ። መንግስቲ እቲ ክልል ድማ ኣብ ድሮ እቲ ህፁፅ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መረፃ ዘዕንቀፍ ዝኾነ ውሳነ እንተወሲኑ ኲናት ከም ዝተኣወጆ ከምዝቖፅሮ ኣጠንቂቑ ነይሩ። እቲ መረፃ ንሰከንድ’ውን ትኹን ደው ከምዘየብል ዝሓበረ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ሓድሽ ኮሚሽን መረፃ ኣጣይሹ፤ ሓዲሽ መረፃ ሕጊ ኣርቂቑ ምስቶም ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ኣርባዕተ ውድባት ተቓውሞ ዘትዩ እዩ ናብ ተግባር ኣትዩ። በዚ መሰረት ልዕሊ ኣርባአዕተ ዙርያ ብቐጥታ ዝተሓላለፉ ክትዓት ተኻይዶም። ብምዃኑ’ውን ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዚ ናይ ሕጂ ተመኩሮ ፍሉይ እዩ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments