“ኣፈፀምቲ ጣብያታት መረፃምሉእ ለይቲ ድምጺ ክቖፅሩ ሓዲሮም፡፡” – ኮምሽን መረፃ ትግራይ፡፡

ኣብ መረፃ ትግራይ ምሃብ ድምፂ ምስተዛዘመ ኣፈፀምቲ ጣብያታት መረፃ ምሉእ ለይቲ ቆፀራ ድምፂ ከካይዱ ሓዲሮም።

ኮይኑ ግና ትማሊ ኣብ ጣብያ መረፃ ኣበርገለ መምረፂ ካርዲ ስለዝጎደለ ኣማስዩ ከምዝተለኣኸሎም ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣብቲ ጣብያ መስርሕ ድምፂ ምሃብ ክሳብ ምሸት ከምዝቐፀለ እቲ ቆፀራ ንሎምዓልቲ እንተሰጊሩ ኣብ ሓፈሻዊ ምቑፃር ድምፂ ፅልዋ ክህልዎ እዩ ኢሉ ።

ሎምዓልቲ ካብቲ ንምምራፅ ዝተመዝገበ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ህዝቢ ክንደይ ድምፂ ሂቡ ንዝብል ሕቶ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments