“ከይዲ መረፃ ትግራይ ፅቡቕ ይሰላሰል’ሎ!” ኮምሽን መረፃ ትግራይ።

ዛጊድ ተዘዋዊርና ብዝርኣይናዮን ይበጽሑና ብዘለው ሓበረታታትን መሰረት መረፃና ኣብ መላእ ትግራይ ጽቡቕ ከይዲ ኣለዎ። ክሳብ ሰዓት 12 ምሸት ዝቕፅል ከይዲ ምድማፅ ብርክት ዝበለ በዝሒ ኣድሚጹ ኣሎ።ንኣብነት “ኣብ መረፃ ክልል ዓዲ ረመጽ (ወልቃይትን ጸገዴን) ኣብ ዝርከባ 112 መረፃ ጣብያታት ካብ ዝተመዝገበ በዝሒ ክሳብ እዛ ሕዚ ሰዓት 4:30 እቲ 75% ህዝቢ ኣድሚጹ ኣሎ። ” ኢሎም ኣፈፃሚ መረፃ እታ ክልል ኣይተ ሽሻይ ገብረመስቀል። ሓይልታት ትምክሕቲ ኣለና ንምባል ካብቲ መረፃ ጣብያ ኣዕርዩ ኣብ ዝርሓቐ ከባቢ ጠርቆሽቆሽ ክብሉ ጀሚሮም እንተነበሩ እኳ እኹል ሓይሊ ስለዘሎ ከይኰነሎም ተሪፉ። እቲ ተግባት ንቅሩብ ደቓይቕ ጥራሕ ዝጸንሐ ከምዝነበረ እውን ኣረጋጊጽና ኣለና።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽዕንቶ ከይነበረ መረፅቲ ዋኒኖም ወጊኖም ብግዜ ናብ ስርሖም ተዋፊሮም። #ትግራይ_ትመርፅ_ኣላ


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments