“4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ዝግበር ክልላዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝሃቀነ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ወይልኡ!”-ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/13/2012)4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ዝግበር ክልላዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝሃቀነ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ወይልኡ ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ   

ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም፡፡

መንግስትን ህዝብን ክልል ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ምትንዃይ ከምዘየለን ትእምርተ ፅንዓቱን ዓወቱን ኣብ ሰናይ ድሌት ሰላም ዝሙርኮስ ከምዝኾነን ዝሓበሩ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ እዚ ማለት ግን 4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ዝግበር ክልላዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ሃቂኑ ዝኾነ ይኹን ምትንዃይ ኣብ ልዕሊ ዘበግስ ሓይሊ ክሳብ እታ ዝኸፍአት እትበሃል ስጉምቲ ንምዉሳድ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ትግራይ ሙሉእ ዘይጉዱል ምድላዉ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

መንግስትን ህዝብን ክልል ትግራይ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ዝግበር ክልላዊ መረፃ ፀጥታ ከባቢኦም ንምሕላዉ ዝኾነ ይኹን ደጋዊ ሓገዝ ከየድለዮም ሰላሞም ንምዉሓስ ዓጢቖም ደዉ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ኣይተ ተኪኡ ምትኩ 6ይ ዙር ክልላዊ መረፃ ትግራይ ሰለማዊ ፍትሓዊን ተኣማንን ንኽኸዉን ሙዕሩይን ዉርዙይን ምድላዉ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም፡፡    


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments