“4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ዝግበር መረፃ ሃንደበታዊ ሕማም ምስ ዘጋጥም ኣለኹ ባዕለይ!” – ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/13/2012)4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ዝግበር መረፃ ሃንደበታዊ ሕማም ከየጋጥም ኣብ ነፍስ ወከፍ ናቑጣ መረፃ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝመደበ ቢሮ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ርእየ ኢሳያስ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ/ም ኣብ ዝግበር መረፃ ሕብረተሰብ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እናተከላኸለ መረፃ ንኸካይድን ኣረጋውያን፣ጥኑሳት ኣዴታትን ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብን ሃንደበታዊ ሕማም ከየጋጥሞም እቲ ቢሮ ኣብ ሕድሕድ ናቑጣ መረፃ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና ዝህቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዝመደበ ገሊፆም፡፡

ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ብወገኖም ከምዝገለፅዎ ብዙሓት ዓለም ለኻውያን ሚዲያታት እቲ መረፃ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊ፣ዲሞክራሲያዊን ነፃን ግልፅን ኮይኑ ንኽዛዘም ካብ ኮሮና ቫይረስ ነፃ ምዃኖም ንምርግጋፅ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምርመራ ተገይርሎም ይኣትው ኣለው ኢሎም።

እቲ መረፃ ኮሮና ቫይረስ እናተኸላኸልካ ዕውት ንምግባር ኣብ ሕድሕድ መረፃ ናቑጣ ሰልፊ ዘትሕዙ ዓርሰ ፍቃደኛታት መናእሰይ ከም ዝተመደቡ ዝገለፁ እቶም ኮምሽነር ፤ ኣረጋውያን ነብሰፆር ፣ ሽማግለታትን ብዘይሰልፊ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክመርፁ ከም ዝግባእ ገሊፆም ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments