ዉድብ ብልፅግናን ድራማ ክታራኑን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ !

ተወካሊ ክራይስስ ግሩፕን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንብረቶም ተመንጢሎም

መፃኢ ረቡዕ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም. ንዝካየድ መረፃ ትግራይ ንምፅብፃብን ንምዕዛብን ንትግራይ ይጓዓዙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ወፃእተኛታትን ደቂ ዓድን ኣጋይሽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብኣባላት ድሕንነት ኢትዮጵያ ከምዝተዓገቱ ተፈሊጡ።

እቶም ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሎም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣጋይሽ ንላዕለዋይ ተመራማራይ ክራይስስ ግሩፕ ‘ዊልያም ዴቪሶን’ ሓዊሱ ዓለም ለኸ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ዝርከብዎም መፃኢ ረቡዕ 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም. ንዝካየድ መረፃ ትግራይ ንምፅብፃብን ንምዕዛብን ንትግራይ ይጓዓዙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ወፃእተኛታትን ደቂ ዓድን ኣጋይሽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብኣባላት ድሕንነት ኢትዮጵያ ከምዝተዓገቱ ተረጋጊፁ’ሎ።

 

ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘሎ ፍሕፍሕ ብዕርቂ ክውዳእ ተላብዩ ነይሩ።

እታ ልዕሊ 30 ኣጋይሽ ሒዛ ንመቐለ ክትለዓል ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጉዕዞ በረረኣ ከምዝተሰረዘን እዚ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን መረፃ ትግራይ ካብቲ ዝሓሰብዎ ጉዕዞ ንምስንኻል ዝተፍሓሰ ዉጥን ከምዝኾነን ፤ ሞባይሎምን ላፕቶፖምን ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ከምዝተመንጠሉን ገለ ካብ ቶም ኣባላት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።

እቶም ኣጋይሽ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሓይልታት ስለያ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብሉ ከምዝተገደዱን እዮም ሓደ ካብኦም ንማዕከን ዜና ብሉምበርግ ንድምፂ ኣመሪካን ኒውዮርክ ታይምስን ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ሳይመን ማርክስ ከምዝገለፆ “ንዝተወሰኑ ሰባት መለለዪ መንነትና ምስ ረኣዩ ካብ ነፋሪት ኣውሪዶም ኣገዲዶም ፅንሑ ኢሎምና” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

 ኣብቲ ጉዕዞ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣውሎ ሚድያን ካልኦት ናብቲ መረፃ ዝገሹን 12 ሰባትን ከምዝርከብዎም ዝሓበረ ጋዜጠኛ ሳይመን ማርክስ ወሲኹ ገሊፁ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments