መንግስቲ ዚምባብዌ ኣብ እዋን ዘበነ ስልጣን ፕረዚዳንት ሙጋቤ መሬቶም ንዝተሓደጉ ፀዓዱ ክመልሰሎም ወሲኑ፡፡

መንግሰቲ ዚምባብዌ ቅድሚ 20 ዓመታት ካብ 2000 ክሳብ 2001 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣሽሓት ጸዓዱ ሓረስቶት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ዝውንንዎ ዝነበሩ መሬት ብፕረዝዳንት ሮበርት ሙጋቤ ንዝመንጠልዎም ኣብ መንበረ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ እታ ሃገር ክመልሰሎም ምዃኑ ገሊፁ’ሎ።

መንግስቲ ዚምባብዌ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ‘ብፀዓዱ ተገቢቱ’ ዝበሎ መሬት ነቶም ወነንቱ ከሕድጎም ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ንምድምሳስ’ኳ እንተነበረ እቲ ስጉምቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘይተደለየ ፍሕፍሕ ብምፍጣሩ ንቁጠባ እታ ሃገር’ውን ኣብ ምህሳይ ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮን ንዚ ብምዕፃፍ እቲ ዉሳነ ኽግልበጥ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም መሬቶም ዝተገበቶም ፀዓዱ ካልእ መከሓሓሲ መደብ’ውን ተሰሪዕሎም ከምዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ።

መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ኣብ ልዕሊ ዚምባብዌ ኣንቢርዎ ዘላ ቁጠባዊ እገዳ ንኸተልዕሎ እቶም ብመንግስቲ ሮበርት ሙጋቤ መሬቶም ንዝተሓደጉ ፀዓዱ ሓረስቶት ክካሓሱ ኣለዎም ዝብል ቅድመ ኵነት ኸቅርብ ምፅንሑ ስዒቡ ዝዉሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ፡፡

መንግስቲ ዙምባብዌ ኣብ ዘውፅኦ መግልፂ ‘መሬትና ተሓዲግና ዝብሉ ዜጋታት ወፃኢ መሬቶም ንኽምለሰሎም የመልክቱ ከምዘለዉን እቶም ዝበዝሑ ካብ ሆላንድ፤ እንግሊዝን ጀርመንን ዝኾኑ ኣማኢት ኣውሮጵውያን ሓረስቶት ከምዝርከብዎም ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ንቲ ተሓራሲ መሬት ካብ ፀዓዱ ሓረስቶት ክምንጥልዎም ከለዉ እቲ ለልምዑ መሬት ዙምባቤዌ ኣብ እዋን መግዛእቲ በቶም ፀዓዱ ከምዝተገበተ ብምግላፅ እቲ ዝብዝሐ ወዲ ዜጋን ፀሊምን ግን ደረቅን ንእሽተይን መሬት ከምዝውንን ብምግላፅ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰድዎን ንልዕሊ 4000 ፀዓዱ ሓርስቶት መሬቶም ኣሕዲጎም ንሚልዮናት ዚምባብዌያውያን ከምዘከፋፈልዎ ይዝከር።

 ነቶም ፀለምቲ ሓረስቶት ደቂ ሃገር ንቲ ብሮበርት ሙጋቤ ዝተዉሃም መሬት ከምዝምልስዎን ከም መከሓሓሲ ኣብ ካልእ ቦታ መሬት ከምዝወሃም መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ’ሎ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0