መንግስቲ አሜሪካ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ንገለ ክፋሉ ደዉ ከምዘበለት ኣፍሊጣ፡፡

መንግስቲ አሜሪካ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ገንዘብ ንገለ ክፋሉ ደዉ ከምዘበለት ኣፍሊጣ ዘላ ብሱቱር ምስ ቀዳማይ ሚኒስት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም ምግሳፆም ስዒቡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳይ ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ ክታሞም ኣብቲ ዉሳነ ምንካይ ሓገዝ ድሕሪ ምዕራፎም’ዩ፡፡

 መንግስቲ ኣመሪካ ንዚ ሓገዝ ንገለ ክፋሉ ደዉ ንባል ወሲና ዘላ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ከተግብርዎ ንዝተዉሃቦም መደብ ብጉቡእ ክፍፅሙዎ ንዝኣተዉዎ ቃል ደዉታ ምፍጣሮም ስዒቡን ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዘይሩጉዕ ህይወት ኣብ ግምት ብምእታዉ 130 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ንሃብ ኣዳልያቶ ዝነበረት ሓገዝ ከምዝገደፈቶ ኣፍሊጣ’ላ ከም ፀብፃብ መፅሄት ፎሬን ፖሊሲ እታ ሃገር ፡፡  

መንግስቲ ኣመሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝገብሮ ዝነበረ ዓመታዊ ሓገዝ በብእዋኑ እዚ ዝተቐመጠ መጠን ገንዘብ ደዉ ምባል ከምትቕፅለሉ ዘፍለጠ መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ሞንጎ እቶም ትህቦም ዝነበረት ሓገዝ

      ሓገዝ ድሕንነት ፣ ሓገዝ መፈፀሚ ጃንዳታት ኣሸበርቲ ፣ ሓገዝ ወተሃደራዊ ትምህርትን ስልጠናን፣ ሓገዝ ምግታእ ዘይሕጋዊ ዝዉዉርን ሓገዝ ንሓልዋ ዶባትን ዝወሃባ ዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ ካብ ሞንጎ ብገለ ኽፋል ዝተኣገዱ ገሊኦም ከምዝኾኑ እቲ መፅሄት ወሲኹ ገሊፁ፡፡ 

  ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተዉሃበ ዝኾነ ይኹን ግብረ መልሲ የለን፡፡


0