ኣብ ምብራቓዊ ሃገረ ሱዳን ከሰላ ኣብ ዝተወለዐ ሓድሽ ግጭት ብውሕዱ ሓደ ሰብ ተቀቲሉ ኣስታት 20 ድማ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዝተወልዐ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ናይቲ ካብ ቀቢላ ቢን ዓምር ኣማሓዳሪ ከተማ ከሰላ ኮይኑ ዝተመዘዘ ሳልሕ ዓማርን ተቓወምቱ ሃደንደዋን ከምዝኾነን መንግስቲ ሱዳን ንቲ ዝተወልዐ ጎንፂ ንምህዳእ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ’ሎ፡፡

ድሕሪ ነዊሕ ክትዕ ህዝቢ ከተማ ከሰላ ካብ ወትሃደራዊ ኣመሓዳሪ ወፃኢ ሲቪላዊ ኣምሓዳሪ ክሽየመላ’ኳ እንተኸኣለ ካብ ቀቢላ ሃደንደዋ ተቐባልነት ዘይምርካቡ ስዒቡ እዩ እዚ ሓያል ጎንፂ ተወሊዑ ዘሎ፡፡ ንዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ከሰላ ስርዓት ሕጊ ሃገር ክኽበር ተማሕፂኖም ኣለዉ።


0