“ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ስርሑ ደው ኣቢሉ፡፡”-ቢቢሲ፡፡

ኣብ ሎንዶን ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብቲ ኤምባሲ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዩጵያውያን ስርሑ ደው ከምዝበለ ቢቢሲ ገሊፁ።

ኢምባሲ ኢትዩጵያ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ሎሚ ኣብ ትዊተር ገፁ ንዝዘርገሖ ፅሑፍ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል እቲ ኤምባሲ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘብፅሑን ተገልገልቲ ናብቲ ኤምባሲ ንከይኣትዉ ከምዝኸልከሉን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ኣባል ኤምባሲ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎን ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ብምሕባር እቲ ኤምባሲ ነቶም ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ፖሊስ ምዝርራብ ከምዝጀመረ ሓቢሩ ኣሎ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ዲፕሎማት’ውን እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዮጰውያውያን ካብ 20 ነሓሰ ጀሚሮም ንሓሙሽተ መዓልታት ነቲ ኤምባሲ ከቢቦሞ ከምዝቐነዩን ኣብቲ ቀፅሪ ኢምባሲ ተሰቒላ ንዝነበረት ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምውራድ ባንዴራ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከምዝሰቐሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃ ቃል ተዛሪቡ።

እዚ ዲፕሎማት እቲ ኤምባሲ ስርሑ ደው ከምዘበለን ዝበዝሑ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ከምዝተገደዱን ክኣ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ኢትዩጵያውያን  ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ምቅትታል ደው ክብልን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘለዉ ሰራዊት ፈዴራል ካብቲ ክልል ክወፁን ይጠልቡ ከምዘለዉ ኣብቲ ተቓውሞ ዝሳተፍ ዘሎ ስነ ጥበባዊ ሽኩሪ ጀማል ንቢቢሲ ገሊፁ።

ሽኩሪ ጀማል ዘቕርቡዎ ዘለው ሕቶታት ከይተመለሰ ንዘካይድዎ ዘለዉ ተቓውሞ ደው ከምዘየብልዎ ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ኢትዩጵያ’ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ተካይዱ ከምዝነበረ ቢቢሲ ኣዘኻኺሩ።


0